መዳርግቲ ኣካላት ኣጀንዳታቶም ፈልዮም ዛዚሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናካየዶ ዝርከብ ምዕራፍ ዘተ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 6ይ መዓልቱ ሎሚ እውን ቀፂሉ ውዒሉ፡፡

ሓሙሽቲኦም መዳርክቲ ኣካላት ዘተ ትማሊን ሎሚ መዓልቲ ቅድሚ ሰዓትን ኣብ ዝነበረ መርሃ-ግብሪ ናይ ኣጀንዳ ሓሳቦም ብጉጅለ ብምዃን እናዛዘሙን እናወደቡን ፀኒሖም፡፡

እቶም መዳርግቲ ኣካላት ዘዋደዱዎምን ዝዛዘሙዎምን ኣጀንዳታት ብቃለ-ጉባኤ ብምስንዳእ ንሓፈሻዊ መድረኽ ምሰቕረቡ ተወከልቲ ውልቀሰባት እውን መሪፆም፡፡

ሎሚ ድሕሪ ሰዓት ብዝተኻደ መርሃ-ግብሪ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብጉጅለ ብምዃን ተስማዕሚዖ ዘዋደዱዎም ኣጀንዳታት ብዝመረፁዎም ተወከልቲ ኣቢሎም ነቲ ሓበራዊ መድረኽ ኣቕሪቦም፡፡

Comments (0)
Add Comment