መደረታት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ዝሰነዱ መፃሕፍቲ ዕላዊ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መደረታት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝሰነዱ መፃሕፍቲ ዕላዊ ኮይኖም።

እቶም መፃሕፍቲ ክልተ እንትኾኑ፥ “ካብ መስከረም ክሳብ መስከረም” ን “ካብ መጋቢት ክሳብ መስከረምን” ዝብል ርእሲ ዘለዎም ኢዮም ተባሂሉ።

ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመውቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈፀሙን ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ዝገበርዎም መደረታትን ዝሰነዱ ኢዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ብቋንቋታት ኣምሓርኛ፣ ኣፋን ኦሮሞ፣ ትግርኛን እንግሊዝኛን ዝገበርዎም መደረታትን ዘመሓላለፍዎም መልእኽቲታትን ዘካተቱ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

“ቃል ፤ ተግባር፤ ትውልድ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ቤተ መፃሕፍቲ ኣብርሆት ዝካየድ ዘሎ ኤግዚብሽንን መፅሓፍን መድረኽ ዘተን ሎሚ እውን ቀፂሉ ውዒሉ።

ሎሚ ዕላዊ ዝተገበሩ መፃሕፍቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ክትሰርሖ ዝተለመቶ፣ ዝሰርሓቶ፣ ዘጋጠማ ፀገማት ከምኡውን ዝሓለፈትሉ መገዲ ንምርዳእ ዘኽእሉ ከምዝኾኑ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ዘተ ተዛሪበን።

ብትዕግስት ኣስማማው

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment