መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ፎረም ሚኒትራት ጉዳያት ዞባዊ ፍልሰት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ራብዓይ ፎረም ሚኒትራት ጉዳያት ፍልሰት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትራት ኣባል ሃገራት ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ማሓዙትን መዳርግቲን ኣካላት ከምኡ እውን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣምባሳደራት ተረኺቦም፡፡

ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ዘሎ ልምዓት ክእለትን ፈጠራ ዕድል ስራሕ መናእሰይን፣ ምሕደራ ካብ ስደት ተመለስቲ፣ ካብ ስደት ተመለስቲ እግሪ ምትካልን ስርዓተ ፆታን ኣብ ዝምልከት ስምምዕ ክፍረም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

ተሳትፎ ዳያስፖራን ውልቀ ዘፈርን ኣብ ዝምልከት ከምኡ እውን ኣብቲ ዓውዲ ኣድላይነት ቆንሱላታት ኣድሂቦም ዝተሰናድኡ ሰነዳት ክፀድቁ ኢዮም ተባሂሉ፡፡

ኣብ መወዳእታ ድማ ቀፀልቲ ኣንፈታት ብምቕማጥን ስምምዓ ብምፍራምን እቲ ፎሮም ክዛዘም ኢዩ ምባሉ ካብ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment