መዘና ትካላ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ቻይናን ሓቢሮም ንምስራሕ ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካላ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያን ትካላ ጉዳያት ወፃኢ ህዝቢ ቻይናን ብኣተሓባባርነት ሚሲዮን ኢትዮጵያ ኣቢሎም ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሉዎም ጉዳያት ኣድሂቦም ብኦንላይን ተዛቲዮም፡፡

ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ፤ ቻይናን ኢትዮጵያን ልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘበን ዘቑፀረ ጥንኩር ዲፕሎማሲያዊ ምሕዝነት ከምዘለወን ብምግላፅ፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2017 ርክበን ናብ ኩለመዳይ ስትራቴጂያዊ ምትሕብባር ክብ ከምዝበለ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ርእሰ ከተማ ሴኔጋል ዳካር ዝተኻየደ 8ይ ኮንፈረስ ፎረም ምትሕብባር ሚኒስትራት ኣፍሪካ ቻይና ካብ ሞንጎ ዘቐመጦም ትሽዓተ ቀንዲ ቀንዲ ዓውዲታት ምትሕብባር ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ እቲ ሓደ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ክልቲኦም መዘና ትካላት ብፍላይ ኣብ ሓበራዊ ስራሕቲ ምርምር፣ ሓሬታ፣ ሕትመትን ልውውጥ ልምዲ ከምኡ እውን ሓበራዊ መድረኻት ብምስንዳእ ተሓባቢሮም ንኽሰርሑን ርክቦም ሰነድ ስምምዕነት ብምፍርራም ኣጠናሮም ንኽቕፅሉ ፀዊዖም።

ምክትል ፕሬዚዳንት ኢንስቲትዩት ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ኣምባሳደር ሊ ዢ፥ ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ዓብዪ ቦታ ከምትህብን ምስ ኣፍሪካ ትገብሮ ምትሕብባርን ኢትዮጵያ ወሳኒ ግደ ዘለዋ ከምዝኾነት ገሊፆም።

ትካላሎም እውን ኣብ ዝቐረቡ ዓውዲታት ምትሕብባር ምስ ኢኒስቲትዩት ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ብሓባር ንምስራሕ ከምዝኾኑ ምርግጋፆም ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment