መዕርፎ ነፈርቲ መቐለ፣ ሽረ፣ አኽሱምን ሑመራን ንበረራ ዝተዓፀዋ ከምዝኾና በዓል መዚ ሲቪል ኣቪየሽን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣባበ ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መዕርፎ ነፈርቲ መቐለ፣ ሽረ፣ አኽሱምን ሑመራ ዝኾነ ይኹን ግልጋሎት በረራ ዝተዓፀዋ ከምዝኾና በዓል መዚ ሲቪል ኣቪየሽን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ በዓል መዚ ከምዝሓበሮ፥ እተን መዕርፎ ነፈርቲ ካብ ሎሚ መዓልቲ 27 ጥቅምቲ ኑጉሆ ሰዓት ክልተ ጀሚረን ንዝኾነ ይኹን ግልጋሎት በረራ ዕፁዋት ኮይነን ኣለዋ።

ዝምልከቶም ኩሎም ኣካላት (ኤርሜንስ) ብግቡእ ሜላ ርክብ (ኖታም) ክፈልጡዎ ከምዝተገበረ እውን በዓል መዚ ሲቪል ኣቪየሽን ኢትዮጵያ ሓቢሩ ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment