መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮሃንስ 4ይ ኣኽሱም ኣብ ወርሒ ግንቦት ንበረራ ክፍቲ ክኸውን ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሰንኪ ኲናት ጉድኣት ዝበፅሖ መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮሃንስ ራብዓይ ኣኽሱም ስራሕቲ ፅገና ድሕሪ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ከምዝዛዘም ሓላፊ መሰረተ ልምዓት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ኣብይ ዘበነ ገሊፆም።

እቶም ሓላፊ ሎሚ መዓልቲ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ዑደት ድሕሪ ምግባር፥ ምስ ሰራሕተኛታት እቲ ፕሮጀክት፣ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ፣ ነበርቲ ከተማ ኣኽሱም ዘቲዮም።

ብትካል ኮንስትራክሽን ንኡድ 25 ታሕሳስ 2016 ዓ/ም ዝተጀመረ ስራሕቲ ፅገና፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘድልዩ ሰብ ሞያ፣ ነቲ ስራሕ ዘሳልጡ ማሺነሪታት ተዳልዮም ናብ ተግባር ከምዝተኣተወ ተገሊፁ።

ዝለዓለ ትኹረት ዝተገበረሎም ስራሕቲ ዲዛይን ተዛዚሞም ኣብ ዝሓፀረ እዋን ተግባራዊ ስራሕ ከምዝጅመር ኣይተ ኣብይ ገሊፆም።

ስራሕቲ ፅገና እቲ መዕርፎ ነፈርቲ 25 ግንቦት 2016 ዓ/ም ከምዛዘምን ንበረራ ክፍቲ ከምዝኸውን ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ፥ እዚ ዕውት ክኸውን ደገፍ ህዝብን ምምሕዳርን ከምዘድሊ ተዛሪቦም።

መካየዲ ስራሕ ፅገና ፕሮጀክት ንኡድ ኮንስትራክሽን ኣይተ መሓመድ ዓብዱ ብግደኦም፥ እቲ ስራሕ ብዝድለ ፅሬት ኣብ ዝተተሓዘሉ እዋን ንምዝዛም ዘኽእሉ ምድላዋት ከምዝተወገኑ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ካብቲ ዝተተሓዘሉ ጊዜ ኣቐዲምካ ንምዝዛም ከምዝስራሕ ሓቢሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment