መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮሃንስ ፬ይ ኣኽሱም ዳግመ በረራ ብዕሊ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2016 ዓ ም( ኤፍ ቢ ሲ) መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮሃንስ ፬ይ ኣኽሱም ዳግመ በረራ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ጀሚሩ።

ብሰንኪ ኵናት ከቢድ ዕንወት ገጢምዎ ኣገልግሎቱ ተቛሪፁ ዝፀንሐ እቲ መዕርፎ ነፈርቲ፥ ንዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ኣብ ከይዲ ህንፀት ምፅንሑ ይዝከር።

እቲ ክካየድ ዝፀንሐ ህንፀቱ ተዛዚሙ ሎሚ 2 ሰነ 2016 ዓ/ም ዕላዊ በረራ ጀሚሩ ኣሎ

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዳግመ ምጅማር በረራ፣ ዋና ኣካያዲ ስራሕ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ መስፍን ጣሰው፣ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌተታቸው ረዳ፣ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን፣ ዕዱማት ኣጋይሽን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ተረኺቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment