መዕልቲ መናእሰይ ኣፍሪካ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣርባ ምንጭ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 16 መዕልቲ መናእሰይ ኣፍሪካ “ንቑሕ ተሳትፎን ኣካታትነትን  መናእሰይ ንልምዓት ስብእና ” ብዝብል መሪሕ ቃል ሎሚ ማዕልቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣርባ ምንጭ ምኽባር ተጀሚሩ፡፡

ኣብ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳያትን ሓላፊ ዴስክ ተሳትፎን ኣወዳድባን ህንፀት ዓቕሚ መናእሰይ  ኩራ ጀማነህ ከምዝበልዎ÷ ነቲ ማዕልቲ ምኽንያት ብምግባር ትምህርትን ስብእና መናእሰይን ብዝብል ርእሲ ዝተዳለወ ሰነድ ቐሪቡ ዘተ ክግበሩ እዩም፡፡

መናእሰያት ተሳትፎኦም ንምዕባይ ግደኦም ብቐዳምነት ክዋፀኡ ከምዝግባእ ብምሕባር ነዚ ንምዕዋት ድማ ደገፍ መዳርግቲ ኣካላት ወሳኒ ምዃኑ ኣፍሊጦም፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳያትን ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋዬን ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋን ሓዊሱ ሓለፍቲ ስራሕ  ፌደራልን ክልል ደቡብን ፤ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪካ ፤ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣርባ ምንጭ፤ ሽማግለታት ዓዲ ጋሞ ተረኺቦም እዮም፡፡

ነቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳያትን ምስ ዩኒቨርሲቲ ኣርባ ምንጭ ብምትሕብባር ዝተዳለወ ምዃኑ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

Comments (0)
Add Comment