መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓመት ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ዝዝከር ዘይኮነስ ናይ 365 መዓልቲታት ስራሕ ክኸውን ይግባእ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 2015 ዓ.ም ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።

ኣብ መልእኽተን ድማ÷ “ኣብ መላእ ሃገርናን ወፃኢ ሃገርን ትርከባ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ እንኳዕ ንመዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብፀሐና” ኢለን።

“መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓመት ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ዝዝከር ዘይኮነስ ናይ 365 መዓልቲታት ስራሕ ክኸውን ይግባእ” ዝበላ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ÷ ዝሓለፍናዮ፣ ንነብሮ ዘለናን መፃኢ ግዘን ምስ ማዕርነትን ተረባሕነትን ደቂ ኣንስትዮ ብመንፅር መሰል ደቂ ሰባት ንኽረአ ዘዘኻኽርን መንቅሒ ደወልን ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

ኣበ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዝበፅሕ ፀገም ንምውፃእ ወሳኒ ጉዳይ ውዳበ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ “ቃልሲ መሰል ናይ ብሕቲ ቃልሲ ስለዘይኮነ ደቂ ኣንስትዮ ሓበራዊ ዛዕባ ክሕዛ ይግባእ” ክብላ ኣገንዚበን፡፡

ዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ ዛዕባ ህዝቢ ክኸውን ዝሰርሕ፣ መፍትሒ ዘተኣላልሽ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ዝንራ ፍልጠትን ልምዲን ዘለወን ኢትዮጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ ነዚ ዕላማ ዘተሓባብር ጥንኩር ማሕበር ከምዘድልየን እውን ኣብሪሀን፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment