“መዓልቲ ትውልዲ” ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ጳጉሜን ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”መዓልቲ ትውልዲ” ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ኢትዮጵያ ይኽበር ኣሎ።

ሎሚ 5 ጳጉሜ መዓልቲ ትውልዲ÷ “ኢትዮጵያ ድምር ወለዶታት” ብዝብል መሪሕ ቃል ፓናል ዘተ ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ እናተኸበረ ይርከብ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን÷ ወለዶ ብምቕራፅ ሃገር ንኽትቅፅል ኣብ ምምግባር መሪሕ ኣስተዋፅኦ ዘለዎ ብምዃኑ ካብ ኩሉ ዝቐደመ ርብርብ ከምዝደሊ ኣብሪሆም።

“ብግቡእ ዝተምሃረ ወለዶ ንባዕሊ፣ ስድርኡን ሃገሩን ይጠቅም” ዝበሉ ኣይተ ኣሻድሊ÷ ነዚ ድማ መንግስቲ ትኹረት ገይሩ እናሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

እቲ ዕለት ኣብ ክልል ጋምቤላ እናተኸበረ እንትኸውን÷ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ብምውካል መደረ ዝገበሩ ኣይተ ጁል ናንጋል፥ ኣብ ስልጣነ ዝበፅሓ ሃገራት ንትምህርቲ ልዑል መዋእለ ንዋይ ብምፍሳስን ነቲ ዓውዲ ትኹረት ብመሃብን ሕዚ ዝርከባሉ ቦታ ከምዝበፅሓ ገሊፆም።

መንግስቲ ብዝሃ ልሳን ዝኾነ ማሕበረሰብ ንምህናፅ ኣብ ዝገብሮ ፃዕሪ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ብሄረሰባት ብቛንቋኦም ካብ ምጥቃም ሓሊፉ ቋንቋኦም እናደንፈዐ ንኽመፅእ ሰፊሕ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ገሊፆም።

Comments (0)
Add Comment