መዓልቲ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ብብርኪ ሃገር ብድምቀት ክኽበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 18 መዓልቲ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ብብርኪ ሃገር ብድምቀት ከምዝኽበር ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣፍሊጡ፡፡

ኣፈ ጉባዔ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ኣከባብራ እቲ በዓል ኣመልኪቶም ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቦም፡፡

ኣብ መግለፂኦም ድማ÷ መበል 18 መዓልቲ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ብብርኪ ሃገር ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ብድምቀት ከምዝኽበር ገሊፆም፡፡

እቲ በዓል ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ÷ ልምዶም፣ ተሞክሮኦምን ባህሎምን ዝለዋወጡሉ፣ ዲሞክራሲያዊ ሓድነቶም ዘጠናኽሩሉ፣ ንዘላቒ ሰላምን ቅልጡፍ ኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ዝለዓዓሉሉ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብቲ ቤት ምኽሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment