መዓልቲ ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 19 መዓልቲ ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ይኽበር ኣሎ።

እቲ በዓል ኣብ ክልል ሲዳማ፣ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፣ ማእከላዊ ኢትዮጵያን ሃረሪን ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት ኢዩ ዝኽበር ዘሎ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት፥ ርእሳነ ምምሕዳርን ኣፈ ጉባኤታትን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብን ከምዝተረኸቡ ተገሊፁ።

እቲ በዓል፥ “ሃገራዊ ምርድዳእ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ዝኽበር ዘሎ ተባሂሉ።

መበል 19 መዓልቲ ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታትን ብብርኪ ሃገር ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮዮጵያ ከተማ ኣርባ ምንጭ ቀፃሊ 29 ሕዳር 2017 ዓ.ም ክኽበር ኢዩ።

 

Comments (0)
Add Comment