መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ሎሚ መዓልቲ ክኽበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ኣብ ሓዱሽ ምዕራፍ ብዝተማልአ ሉኡላዊነት ንብራኸ ሰንደቕ ዓላማና!” ብዝብል መሪሕ ቃል መበል 14 ብሄራዊ መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ፅባሕ ክኽበር ኢዩ፡፡

ብመሰረት እዚ ኣብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከባ ኩለን መንግስታዊን ዘይመንግታዊን ትካላት፣ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ወታደራዊ ካምፒታት፣ ኤምባሲታትን ካልኦት ትካላትን ተኸቢሩ ከምዝውዕል ቤት ምኽሪ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።

እተ በዓል ኢትዮጵያ ናይ ብልጽግና ጉዕዘኣ ብሓዱሽ ምዕራፍ መንግስት መስሪታ ኣብ ዝጀመረትሉ ፅባሕ ዝኽበር ብምዃን ንኢትዮጵያውያን ፍሉይ ትርጉም ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ እቲ በዓል እንትኽበር ሰንደቅ ዓላማና ናይ ልምዓት፣ ተስፋን መስዋእትነትን ምልክት ከምዝኾነ ኣጉሊህኻ ዝረኣየሉ ኢዩ ተባሂሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment