መዓልቲ ምክልኻል ሓደጋ ባርዕ ሓዊን ሃንደበታዊ ሓደጋን ኣብ ኢትዮጵያ ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መዓልቲ ምክልኻል ሓደጋ ባርዕ ሓዊን ሃንደበታዊ ሓደጋን ብደረጃ ዓለም ንመበል 24 ግዘ ብኢትዮጵያ ድማ ን2ይ ግዘ ተኸቢሩ።

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፥ እቲ መዓልቲ ኣመልኪተን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።

እተን ከንቲባ ኣብ መልእኽተን፥ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ንምክልኻል ሓደጋታት ባርዕ ሓዊን ሃንደበታዊ ሓደጋን ትኹረት ብመሃብ፤ ሓደጋ ንምክልኻል ዘኽእል ዘበናዊ ትካል፣ ሓይሊ ሰብን ኣሰራርሓን ንኽህሉ፤ እቲ ትካል ምስ ምዕባለ እታ ከተማ ሓቢሩ ብዝኸይድ ዘበናዊ እታወት ክጠናኸር ተገይሩ ከምዝተሰርሐ ኣብሪሀን።

“ሰራሕተኛታት ምኸክልኻል ሓደጋ፤ ሓደጋ ንምክልኻል ናብ ሓደጋ ትኣትዉ፤ ናይ ካሊእ ህይወት ንምትራፍ ህይወትኩም ትልግሱ ስለዝኾንኩም ክብሪ ይግበአኩም” ክብላ እውን ገሊፀን።

ሕብረተሰ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ምክልኻል ናይ ባዕሉ ግደ ንኽዋፃእ ሓቲተን።

#Ethiopia #AddisAbaba

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment