መዓልቲ ምትሕብባር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብብርኪ ከተማ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጳጉሜን፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መዓልቲ ምትሕብባር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብብርኪ ከተማ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ይኽበር ኣሎ።

እቲ መዓልቲ “ኣነ ንወገነይ” ብዝብል መሪሕ ቃል እናተኸበረ እንትኸውን፥ ምክትል ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤኣብ ክፍለ ከተማ ጉሌሌ ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ ፅዮን ተረኺበን ምስ ነበረቲ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ማስ ስፖርት ብምግባር ኣጀሚረንኦ።

እተን ምክትል ከንቲባ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፥ “ሎሚ መዓልቲ ምትሕብባር ኢዩ፤ ስለዝኾነ ድማ ብሓባር ንሰርሖ ዘለና ኣካላዊ ምንቅስቓሰ ኣብ ከተማና ንገብሮ ጉዕዞ ልምዓትን ዕቤትን ምቅርራብ ብምፍጣር መደላድል ንፈጥረሉ እዋን ኢዩ” ኢለን።

ስለዝኾነ ድማ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተተሓሒዞምን ሓቢሮም ብምስራሕን ሓዱሽ ዓመት ብተስፋን ብሓጎስን ንኽቕበሉ መልእኽቲ ኣመሓላሊፈን።

ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ መርሃ ግብሪ፥ “ኣነ ንወገነይ” ዝብል ሓሳብ ናብ ተግባር ንምቕያር ብዝብል ኣብቶም ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ ዝነብሩ ትሑት መነባብሮ ዘለዎም ክፋላት ሕብረተሰብ ንበዓል ዝኸውን ህያብ ኣበርኪተን።

ንተምሃሮ ድማ ሓገዝቲ መፃሕፍቲን መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ዝሕዘ ክርዲን ኣበርኪተን።

ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 700 ሺሕ ባኒ ብነፃ ንምክፍፋል ሸገር ዳቦ ዝኣተዎ ቃል ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ልዕሊ 400 ባኒ ናብ ኹለን ክፍለ ከተማታት ዘከፋፈለ እንትኸውን፥ ምክትል ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ እውን ኣብ ክፍለ ከተማ ጉሌሌ ተረኺበን እቲ መርሃ ግብሪ ከፊተንኦ ኢየን።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብግድኡ፥ ንበዓል ህያብ ዝኾና 400 ኣባጊዕ ኣብ ክፍለ ከተማ ያ ንዝርከቡ ዓቕሚ ዘይብሎም ነበርቲ ኣበርኪቱ ኣሎ።

እቲ መዓልቲ ብዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታት እናቐፀለ እንትኸውን ኣብ ክፍለ ከተማታት የካን ቦሌን እውን መሰል ምድላዋት ክካየዱ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment