መዓልቲ ሓድነት ብሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብብርኪ ሃገር ዝኽበር “መዓልቲ ሓድነት” ብሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተኸቢሩ።

“እንትንሓብር ንምዕርግ” ብዝብል መሪሕ ቃል ብብርኪ ሃገር ዝኽበር ዘሎ መዓልቲ ሓድነት፥ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ኣብ ዝተረኸብሉ ብሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ይኽበር ኣሎ።

ኣብቲ ምድላው፥ ሃገራዊ ሓድነት ዘጉልሁ ዝተፈላለዩ ምድላዋት ስነ ጥበብ ብጉጅለ ድምፃዊያን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምዕጃብ ቀሪቡ።

ኣብቲ ምድላው ኣይተ ደመቀ ሓዊሱ፥ ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ኣብረሃም በላይን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ላዕለዋት ኣመራርሓ ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ከምዝተረኸቡ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%

5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment