መውዓሊኦምን መሕደሪኦምን ኣብ ጎደና ዝገበሩ 21 ሺሕ ዝፅግዑ ዜጋታት ተጠቃሚ ምግባር ምኽኣሉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መውዓሊኦምን መሕደሪኦምን ኣብ ጎደና ዝገበሩ 21 ሺሕ ዝፅግዑ ዜጋታት ተጠቃሚ መግባር ምኽኣሉ ናይ ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ሚኒስቴር ገሊፁ።

ኣብ 11 ከተማታት ብዝተተግበረ ቀዳማይ ዙር ናይ ለምዓታዊ ሴፍቲኔት ፕሮጀክት መውዓሊኦምን መሕደሪኦምን ኣብ ጎደና ዝገበሩ 21 ሺሕን 991 ዜጋታት ተጠቃሚ ምግባር ምኽኣሉ ናይ ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን  መረዳእታ የረድእ።

ናይ ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ሚኒስትር ኤርጎጌ ተስፋዬ ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ፥ ምስ ሰብ ብፅሒት ኣካላት በምትሕብባርን ምስ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት ውዕል ብምእታውን፥ መውዓሊኦምን መሕደሪኦምን ኣብ ጎደና ዝገበሩ ህፃናት፣ ፈላጣት፣ ህፃናት ዝሓዛ ኣደታትን ኣረጋዊያንን ተጠቃሚ ከምዝኾኑ ገሊፀን።

እቶም ዜጋታት ብዘላቕነት ንምጥያሽን ንምድጋፈን ንክከኣል ዝተቐረፀ ናይ ማሕበራዊ ሓለዋ ፈንድ ፀዲቑ ኣብ ስራሕ ንክውዕል ፃዕሪ ክግበር ኢዩ ምባለን ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment