መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ኣኼባ ክልቲኦም ኣቢያተ ምኽሪ 6ይ ዙር 3ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ሰኑይ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ሓበራዊ ኣኼባ 6ይ ዙር 3ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ዝቕፅል ሰኑይ ክካየድ ኢዩ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ቤት ምኽሪ ኣይተ ያቆብ ወልደሰማያት ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁ÷ 28 መስከረም 2016 ዓ.ም ኣብ ዝካየድ መኽፈቲ ስነ- ስርዓት ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምኽፋት እቶም ኣቢያተ ምኽሪ ከብስራ ኢየን።

ድሕሪ ሰዓት ኣብ ዝካየድ ኣብቲ መክፈቲ ስነ- ስርዓት÷ ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ ኣንፈት ትኹረት መንግስቲ እዚ ዓመት ዘመላኽት መደረ ከስምዓ ኢየን።

ኣብቲ መክፈቲ ስነ-ስርዓት ካብ ኣባላት እቶም ኣቢያተ ምኽሪ ብተወሳኺ ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲ፣ አቦታት ሃይማኖት፣ኣመራርሓታት ተናሓናሕቲ ፖለቲካ ፓርቲን ካልኦት ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ክርከቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብበላይ ተስፋዬ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment