መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ሓበራዊ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ሎሚ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መኽፈቲ ስነ-ስርዓት 6ይ ዙር 3ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ሓበራዊ ኣኼባ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ክካየድ ኢዩ።

ኣብ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት÷ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ምኽፋት እቶም ኣቢያተ ምኽሪ ከብስራ ኢየን።

ድሕሪ ሰዓት ኣብ ዝካየድ ኣብቲ መክፈቲ ስነ- ስርዓት÷ ፕሬዚዳንት ሳህለ ወርቅ ኣንፈት ትኹረት መንግስቲ እዚ ዓመት ዘመላኽት መደረ ከስምዓ ኢየን።

ኣብቲ መክፈቲ ስነ-ስርዓት÷ ካብ ኣባላት እቶም ኣቢያተ ምኽሪ ብተወሳኺ ማሕበረሰብ ዲፕሎማሲ፣ አቦታት ሃይማኖት፣ኣመራርሓታት ተናሓናሕቲ ፖለቲካ ፓርቲን ካልኦት ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ክርከቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት እውን ብፋና ቴሌቪዥን፣ ብሬዲዮን ኩሎም ኣማራፂታት ዲጂታል ሚዲያ እቲ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት ብቐጥታ ፈነወ ከመሓላልፍ ኢዩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment