መከፋፈሊ ጣቢያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ጊንጪ ዕለተ ቀዳም ክምረቕ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) 8 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ወፃኢ ዝተገበረሉ መከፋፈሊ ጣቢያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ጊንጪ ዕለተ ቀዳም ክምረቕ ኢዩ።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣካቢ ቦርድ ኣመራርሓ ስራሕ ሓይሊ ኤሊክትሪክ ኢትዮጵያን ዶክተር ኣብርሃም በላይ ኣብቲ ጣቢያ ዑደት ኣካይዶም።

መከፋፈሊ ጣቢያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ጊንጪ ነታ ከተማን ከባቢኣን ዘተኣማምን ሓይሊ ንመቕራብ ዘኽእል ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ መከፋፈሊ ጣቢያ ከልተ በዓል 50 ሜጋ ቮልት ኣምፒር ትራንስፎርመር ከምዝተገጠመሉ ተሓቢሩ።

ክሳብ 100 ሜጋ ዋት ዝሽከም ዓቕሚ ዘለዎ እንትኸውን፥ በዓል 15 ኪሎ ቮለት መስመራት ከምዘለውዎ እውን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

Comments (0)
Add Comment