መከላኸሊ ሜላታት ቫይረስኮሮና ንክኽበሩ ኣካላት ኣኽበርቲ ሕጊ ቁፅፅር ንክገብሩ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መከላኸሊ ሜላታት ቫይረስኮሮና ንክኽበሩ ኣካላት ኣኽበርቲ ሕጊ ቁፅፅር ንክገብሩ ሚኒስቴር ጥዕና ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝስእኑ ሰባት ኣብ ዝሓለፉ 10 መዓልታት ልዕሊ 20 ሚኢታዊ ወሰኽ ከምዘርኣየ ገሊፀን።

ኣካላት ኣኽበርቲ ሕጊ መከላኸሊ ሜላታት ቫይረስኮሮና ንክኽበሩ ቁፅፅር ንክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪበን።

ክታበት ምሃብ ከምዝተጀመረ ብምዝኽኻር፥ እቲ ክትባት ምውሳድ ካሊእ ተወሳኺ ፀገም ጥዕና የበፅሕ ኢዩ ብዝብል ዘውዛዕ ዘሎ ሓበሬታ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከምዝኾነ ተዛሪበን።

እቲ ክትባት ናይ ምሃብ ከይዲ ከምዝቕፅል ድማ ሓቢረን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment