ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስት ዝጀመሮ ልዕልነት ሕጊ ናይ ምዕሳል ስራሕ ብሽርሒ ግብረ ራዕዳውያን ኣይተዓናቐፍን ክብል ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።
እቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣብቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ መግለፂ ኣውፂኡ።
ሙሉእ ትሕዝቲ እቲ መግለፂ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦
መንግስት ዝጀመሮ ልዕልነት ሕጊ ናይ ምዕሳል ስራሕ ብሽርሒ ግብረ ራዕዳውያን ኣይተዓናቐፍን
መንግስት ኣብ መላእ ሃገር ዝጀመሮ ልዕልነት ሕጊ ናይ ምዕሳል ስራሕ ዘይስሩዕ ዕጡቓትንብግብረ ራዕዲ ዝተፈረጁ ጉጅለታት ምንቅስቓስ ንምግታእ ኩለመዳይ ፃዕሪ እናተገበረ ይርብብ። እዚ መንግስቲን መላእ ሓይሊ ፀፅታን ልዕልነት ሕጊ ናይ ምኽባር ልኡኽቶ ዘተኮረሎም ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሸኔ እናበፅሖ ዝርከብ ልዑል ስዕረት ንምሽፋን ናይ ጥፍኣት በትሩ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን የዕርፍ ኣሎ።
እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ጋምቤላ፣ ኣብ ከተማታት ደምቢ ዶሎን ጊምቢን ዝፈነዎም ራዕዳዊ መጥቃዕቲታት ብውዳበ ሓይሊ ፀፅታ እንትፍሽል ብሕነ ምፍዳይ ተግባር ራዕዱ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጊምቢ ዝነብሩ ንፁሃን ዜጋታት ብግፍዒ ቀጢፉ፣ ንብረት እውን ኣዕኒዩ ኢዩ።
በቲ ግብረ ራዕዲ ህይቶም ንዝሰኣኑ ወገናትን ጉድኣት ንዝበፅሐ ጉድኣትን መንግስቲ ዝተሰመዖ ልባዊ ሓዘን ይገልፅ።
እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዘብፅሖ ጉድኣት ትኽክለኛ መንነት እቲ ጉጅለ ዘርኢ ስለዝኾነ እቲ ሓይሊ ጥፍኣት ሙሉእ ብሙሉእ ንኽድምሰስ ኣብ ብመላእ ሓይሊታት ፀፅታ ክልልን ፌዴራልን ዝተጀመረ ዝተዋደደ ልኡኽቶ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ።
ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።