መንግስታውን ውልቀን ኮሌጃት ትግራይ ፅሬት ዘለዎ ትምህርቲ ንሰልጠንቲ ንምሃብ ዘኽእል ሓዱሸ መምርሕታት ይሰናዳእ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ክልል ትግራይ፥ መንግስታውን ውልቀን ኮሌጃት ፅሬት ዘለዎ ትምህርቲ ንሰልጠንቲ ንምሃብ ሓዱሸ መምርሕታትን ኣሰራርሓታትን ኣብ ምትእትታው ከምዝርከብ ገሊፁ።

ሓላፊ ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ክልል ትግራይ ዶ/ር ሙሉጌታ ሓዲስ፥ ኣብ መንግስታውን ውልቀን ኮሌጃት ኣድለይቲ ናውቲ ትምህርቲ ብምምላእ ፅሬት ትምህርቲ ንኽረጋግፅን ብቑዕ ዜጋ ንክፈርን ከምዝስራሕ ገሊፆም።

ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ትምህርትን ስልጠናን ክልል ትግራይ ምስ ሰራሕተኛታቱን መሓውሩን ኣብ ዘካየዶ ስልጠና፥ ኮሌጃት ሓዱሸ መምርሕታትን ኣሰራርሓታትን ብምቕራፅ ብቑዕ ዜጋ ኣብ ምፍራይ ክሰርሓ ከምዘለወን ተገሊፁ።

ብርክት ዝበላ ኮሌጃት መምርሒ መሰረት ጌርካ ኣብ ምስራሕ ፀገም ከምዘለወን ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፥ ተበፃሕነትን ፅሬት ዘለዎ ትምህርቲን ዝህባ ኮሌጃት ኣብ ምስፍሕፋሕ ከምኡ እውን መንግስታውን ውልቀን ኮሌጃት ኣብ ምሃብን ምሕዳስን ፍቓድ እናተሰርሐ ምዃኑ ሓቢሮም።

“ኮሌጃት ንግዲ ፍቓድ ንምውፃእ እንታይ ከማልኣ ኣለወን? እንታይ እንተገይረን ይቕፅዓ? ሕድሕድ ኮሌጃት ሕጋዊ ኮይነን ንክሰርሓን ብቑዕ ዜጋ ንከፍርያን ከማልአኦ ዝግበአን ረቛሒ እንታይ እዩ?” ዝብሉን ካልኦት ዝተፈላለዩ ሕቶታት ምስ ሰልጠንቲ ምይይጥ ተገይሩሎም እዩ።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

Comments (0)
Add Comment