መንግስታት ፌዴራልን ክልልን ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናትን እንስሳትን ናይ ምድሓን ስራሕ ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ኢዮም – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስታት ፌዴራልን ክልልን ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናትን እንስሳትን ናይ ምድሓን ስራሕ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ምክልት ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ልኡኾምን ብምኽንያት ድርቂ ካብ ሓሙሽተ ዞባታት እንስሰኦም ሒዞም ኣብ ዞባ ፋፈን ወረዳ ሃሮሬስ ዝተመዛበሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ተዓዚቦም፡፡

ኣብታ ወረዳ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ድርቂ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝርከቡሉ ኩነታት ዝገለፁሎም እንትኸውን፥ ማሕረሰብ እታ ወረዳ ዘለዎ ማይን መኖን እናሃቦም ይኹን እምበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስ ዘሎ ምውሳኽ መጠን ጠለብ ተተሓሒዙ ልዕሊ ዓቕሚ ብምዃኑ መንግስቲ ሓገዝ ማይን መኖን ክገብረሎም ሓቲቶም፡፡

ኣይተ ደመቀ መኮንን ብድርቂ ጉድኣት ዝበፅም ዝበፅሖም ዜጋታት ንምዕዛብ ከምዝኸዱ ብምግላፅ፤ ክልል ሶማሌ ሰፊሕ ሃፍቲ እንስሳት ዘለዎ ህዝቢ ስለዝኾነ፥ በመንግስቲ እቲ ክልልን ፌዴራል መንግስቲን እውን ንዝተጎድኡ ወገናትን እንስሳታቶምን ናይ ምድሓን ስረሖም ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣብሪሆም፡፡

ብምኽንያ እቲ ድርቂ ህይወት ሰብ ከይጠፍእ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ ኣብ ቀፃሊ እውን ድርቂ ኣብ ዘጋጠመሎም ከባቢታት ብሓበራዊ ምትሕብባር እቲ ክልልን መንግስቲ ፌዴራልን ኣብ ቀረብ ማይን ኳቲ ማይን ኣድሂቡ ከምዝሰርሕ ምሕባሮም ካብ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ  ሶማሌ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment