መንግስታት ኤርትራን ሶማልያን መዘክር ሓባራዊ ስምምዕ ኸቲሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ምብፃሕ ዘካይዱ ዘሎዉ ፕሬዚዳንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ምስ ፕሬዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ መዘክር ሓባራዊ ስምምዕ ከምዝከተሙ ተገሊፁ።

ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ  ኢትዮጵያ ከምዝሓበሮ፥ ሃገረ ኤርትራን ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልን፣ ንታሪኻዊን ሕውነታዊን ምትእስሳር ከምኡ’ውን ድልዱል ሓባራዊ ምሕዝነት ህዝብታት ኤርትራን ሶማልን መሰረት ብምግባር ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ዘሎ ዓበይቲ ሓባራዊ ረብሓታት ብምስትውዓል ኣብ ሶማል ዝካየድ ዕውት ቃልሲ ኣንፃር ሽበራ ቅድመ ኩነት ንሰላም፣ ምርግጋእን ፀጥታን ሶማል ጥራይ ዘይኮነ ኣድላይነቱ ንመላእ ቀርኒ ኣፍሪካ ተገንዚቡ።

ስለዝኾነ ሰላምን ልምዓትን ሶማል ንዞባዊ ቁጠባዊ ውህደትን ብልፅግናን ወሳንነቱ ብዕምቈት ብምርዳእ ኤርትራን ሶማልን ኣብዚ ዝስዕብ ጉዳያት ተስማዕሚዐን።

ብመሰረት እዚ፦

  • ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት እንተላይ ማሕበረኮማት ዲያስፖራ ምዕዛዝ፣
  • ሃገራዊ ረብሓታት ክልቲአን ሃገራት ንምዕቃብን ምጥንኻርን ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ምትሕብባር ምሕያል፣
  • ኣብ ንግዲ፣ ወፍሪ፣ ውሕስነት ማይ፣ ሕርሻ፣ ሃብቲ ዓሳ፣ ጥዕናን ትምህርቲን ፍሉይ ኣተኩሮ ብምግባር ቁጠባዊን ማሕበራዊን ምትሕብባር ምስፋሕ፣
  • ኣብ ባህላዊ፣ ስነጥበባዊን ስፖርታዊን ንጥፈታት ከምኡ’ውን ኣብ ስነ-ፍልጠታዊን ቴክኖሎጂያውን መዳያት ርክባትን ምትሕግጋዝን ምድልዳል፣
  • ኣብ ምግታእ ተፈጥሮኣዊ ሃስያን ለበዳን ብምትኳር ኣብ ምዕቃብን ምስሳንን ኣከባቢ ምትሕብባር ምዕዛዝ፣
  • ሰላም፡ ርግኣትን ጸጥታን ንምውሓስ ኣብ ምክልኻልን ጸጥታን ምትሕብባር፣
  • ምውቕ ዝምድና ብምፍጣር፡ ንቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ውህደትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓባር ምጽዓት፣

ኣብ ዝብሎ ጉዳያት ሎሚ 5 ሓምለ 2014  ዓ.ም ኣብ ኣስመራ መዘክር ሓባራዊ ስምምዕ ተኸቲሙ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment