መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ንዘሎ ሰፊሕ ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ምክልኻል ዝተጠናኸረ ሓገዝ ንክገብር ተሓቲቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ዘሎ ምቁርራፅ ዝናብ ስዒቡ ዘጋጠመ ሙቐትን ካብ ጎረባብቲ ክልላት ብዝመፅእ ዕስለ ኣንበጣን ሰፊሕ ክስተት ባልዓት ዘራእቲን ቀለብ እንስሳን ከምዘጋጠመ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።
ዳይሮክተር ኮሚኒኬሽንን ርክብ ህዝቢን እቲ ቢሮ ኣይተ ሚኪኤለ ሙሩፅ ምስ ፋና ብሮድ ካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ኣብቲ ክልል ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ጀሚሩ ባልዓት ቃቔጣን ባርኖስን ምግጣሞም ገሊፆም።
ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት ዘጋጠመ ባልዕ ቃቔጣ፥ ኣብ 31 ወረዳታት ኣብ ዘለዋ 126 ጣቢያታት ዝርከብ 28 ሺሕን 41 ሄክታር ዝረኣቲ ከምዝዓረፈ ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ 1 ሺሕን 611 ሰውሒ ምዕራፉ ብምግላፅ፥ ብድምር ኣብ 29 ሺሕን 652 ሄክታር ዘራእቲን ሰውሒን እቲ ባልዕ ቃቔጣ ከምዝዓረፈ ኣብሪሆም።
ስለዝኾነ ከም ክልል ኣቐዲሙ ብዝተገበረ ሰፊሕ ምድላው ኣብ 25 ሺሕን 649 ሄክታር መሬት ናይ ቁፅፅር ስራሕ ተኻይዱ ኢሎም።
ኣብ 18 ሺሕን 981 ሄክታር ነፀጋ ኬሚካል ብምክያድን ህዝቢ ብስፍሓት ብምስታፍ 6 ሺሕን 669 ሄክታር ብባህላዊ ኣገባብ ብምጭፍጫፍን ብምእራይን ኣቢሉ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ከምዝተሰርሐ እውን ኣረዲኦም።
ነቲ ቃቔጣ ጥራሕ ንምክልኻል 7 ሺሕን 444 ሊትሮ ኬሚካል ኣብ ረብሓ ምውዓሉ ገሊፆም።
ባልዕ ባርኖስ እውን ብተመሳሳሊ ኣብ 5 ዞባታት ኣብ ዝርከባ 9 ወረዳታትን 54 ጣቢያታትን ብስፍሓት ኣጋጢሙ ከምዝነበረ ኣይተ ሚኪኤለ ተዛሪቦም።
ነዚ ስዒቡ ኣቐዲምካ ብሰብ ሞያ ኣብ 26 ሺሕን 58 ሄክታር መሬት መፅናዕታዊ ዳህሳስ ብምግባር ፈተሸ ከምዝተገበረ ብምግላፅ፥ ብመሰረት እዚ ኣስታት 10 ሺሕን 594 ሄክታር ሽፋን ከምዘለዉ ተረጋጊፁ ኢሎም።
ስለዝኾነ 4 ሺሕን 758 ሄክታር መሬት ብኬሚካል ዝተረፈ ድማ ብባህላዊ መገዲ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ከምዝተሰርሐ ሓቢሮም።
2 ሺሕን 274 ሊትሮ ኬሚካል ነፀጋ ከምዝተገበረ ዝሓበሩ እቶም ዳይሬክተር፥ ብድምር ንክልቲኦም ባልዓት ቃቔጣን ባርኖስን ንምክልኻል 9 ሺሕን 719 ሊትሮ ኬሚካል ከምዝተነፀገ ኣብሪሆም።
ካብዚ እቲ 2 ሺሕን 700 ሊትሮ ኬሚካል ሓረስቶት ባዕልቶም ዓዲጎም ኣብ ረብሓ ከምዘውዓልዎ ብምብራህ፥ ሕብረተሰብ ነቶም ባልዓት ንምክልኻል ዝገበሮ ፃዕሪ ንኢዶም።
ብተወሳኺ ሰፊሕ ምንቕናቕ ህዝቢ ብምፍጣር እቲ ናይ ምክልኻል ግብረ ሓይሊ እውን በቢጣቢይኡን ወረድኡን ናብ ስራሕ ብምእታው ብዝተሰርሐ ስራሕ ኣብዚ ሐዚ እዋን ክልቲኦም ባልዓት ምክልኻል ከምዝተኽኣለ ገሊፆም።
ብተወሳኺ ኣብ ከባቢ ዞባ ደቡብ ዘራእቲ ናይ ምግልባጥ ስራሕቲ እውን ከምዝተሰርሐ ኣረዲኦም።
ብተመሳሳሊ ኣምበጣ ኦም ኣብ ወርሒ ሚያዚያ 2015 ዓ.ም ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ኣብ ዝርከባ ሓሙሽተ ወረዳታት ዘለዋ 27 ጣቢያታት ኣጋጢሙ ከምዝነበረ ገሊፆም።
እቲ ኣንበጣ ኦም ብፍላይ ኣብ ዓበይቲ ኣግራባትን ቀወምቲ ተኽሊታትን ሰፊሕ ዕንወት ከምዘብፀሐ ኣይተ ሚካኤለ ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ ኣብ መግሃጫ እንስሳት ወይ ሰውሒታት፣ ንቀለብ እንስሳት ዝውዕሉ ተኽሊታት ብስፍሓት ኣጋጢሙ ከምዝነበረ ብምግላፅ፥ ከም ክልል ሰብ ሞያ ብምልኣኽን ኬሚካላት ብምንፃግን ኣቢሉ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ከምዝተሰርሐ ኣረዲኦም።
ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ኣብ ዞባ ምብራቕን ደቡብ ምብራቕን ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ዝበሃል ካልእ ባልዕ ብስፍሓት ከምዘጋጠመ ኣይተ ሚኪኤለ ሙሩፅ ኣረዲኦም።
እዚ ዕስለ ኣንበጣ ትማሊ ምሸት ካብተን ክልተ ዞባታት ብተወሳኺ ኣብ ዞባ ደቡብ ከምዝተርኣየ ገሊፆም።
እዚ ዕስለ ኣንበጣ 20 ሓምለ 2015 ዓ.ም ከምዝጀመረ ብምግላፅ፥ ኣብ ክልል ዓፋር፤ ያለው፣ መጋለን ኮኮባን ዝበሃላ ከባቢታት ዝተጨጨሐ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ካብዚ እናተበገሰ ናብ ዞባ ምብራቕን ደቡብ ምብራቕን ብመልክዕ ዕስለ ብስፍሓት ይኣቲ ከምዘሎ ዘረድኡ ኣይተ ሚኪኤለ፥ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ፅራእ ወንበርታ ጣቢያ ሓየሎም፣ ዔራ፣ ሓድነት ናይ ምክልኻል ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።
ብተመሳሳሊ ኣብ ወረዳ ኢሮብ ጣቢያ ኣራዕ፣ ሴራሎን ዓሊተናን፤ ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ድማ፥ ኣብ ወረዳ እንደርታ ኣብ ዝርከባ ጣቢያ ዓራቶ፣ ከባቢ መሰቦን ናይ ምክልኻል ስራሕቲ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም ተዛሪቦም።
ነዚ ንምክኻል ብብርኪ ክልል ኬሚካል ምንፃግ፣ ሕብረተሰብ ብምጉስጓስ ብባህላዊ መገዲ ናይ ምክልኻል ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ምስ መንግስቲ ፌዴራል እውን ምትሕብባር ከምዝጀመረ ገሊፆም።
ብመሰረት እዚ ካብ መንግስቲ ፌዴራል ዝመፅአ ሓደ ጉጅለ ልኡኽ ኣብቲ ክልል ከምዝርከብ ኣብሪሆም።
እቲ ጉጅለ ልኡኽ፥ ዕስለ ኣንበጣ ብስፍሓት ናብ ዘጋጠመን ከባቢታት እናተንቀሳቐሰ ይዕዘብ ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ነዚ ስዒቡ ኣስታት 7 ሺሕ ሊትሮ ኬሚካል ካብ መንግስቲ ፌዴራል ከምዝተልኣኸን ነቲ ዕስለ ኣብ ምክልኻል ኣብ ረብሓ ይውዕል ከምዘሎን እውን ገሊፆመ።
ጊዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ እውን ዘድሊ ባጀት ሰሊዑ ነቲ ዕስለ ኣብ ምክልኻል ብዕቱብ ይሰርሕ ብምህላዉ፥ ከም ክልል ዝተዋደደ ምንቅስቓስ ሰብ ሞያ፣ ግብረ ሓይሊን ሕብረተሰብን ይካየድ ከምዘሎ ኣብሪሆም።
ኣብ ከባቢ ወረዳ ኢሮብን ጉለ መኸዳን ምስቲ ሐዚ ኣብቲ ክልል ዘሎ እዋናዊ ናይ ፀፅታ ኩነታት ነቲ ዕስለ ንምክልኻል ኣፀገሚ ኮይኑ ከምዘሎ ኣረዲኦም።
ይኹን እንበር እቲ ክልል ክበፅሐሎም ኣብ ዘይከኣለ ኣብ ወረዳ ጎለ መኸዳን ኢሮብን ዘለዉ በቲ ዕስለ ኣንበጣ ዝጥቅዑ ዘራእቲ ኣብ ምክልኻል፥ መንግስቲ ፌዴራል ሓገዝ ንክገበር ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ኣብ ትግራይ ኣንበጣ ዝጭጨሐሉ ከባቢ የለን ዝበሉ ኣይተ ሚኪኤለ፥ ካብ ጎረባብቲ ክልላት ተጫጪሑ ናብ ትግራይ ብስፍሓት ይኣቲ ስለዘሎ ምስ ዓለም ለኸ ትካል ሕርሻን ምግብን (ፋኦን) ካልኦት ዝምልከቶም ትካላትን ብምውዳድ እቲ ዕስለ ኣብ መበገሲ ቦታ እንተሎ ክመክን ኣብ ምግባር መንግስቲ ፌዴራል ሓገዝ ንኽገብር ተላቢዮም።