መንግስቲ ፌዴራል ባጀት 2017 ዓ.ም ብጥንቃቐ ንክመርሕ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ፌዴራል ባጀት 2017 ዓ.ም ኣብ መዓልኡ ምውዓሉን ንረብሓ ህዝቢ ምርግጋፁን ጥቡቕ ክትትል ንክገብር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ባይቶ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ መበል 35 ስሩዕ ኣኼብኡ ስለዐን ምምሕዳርን ባጀት 2017 ዓ.ም ዝጠመተ ዘተ ምስ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ኣሳሊጡ።

ኣብቲ እዋን፥ ንግዲ ወፃኢ ኣብ ክብ ኣብ ምባል፣ ፅዕንቶ ልቓሕ ኣብ ምቅላል፣ ምምሕዳር ፕሮጀክትታት ኣብ ምምሕያሽ፣ ናህሪ ዋጋ ኣብ ምርግጋዕ፣ ባጀት ብፍልጠትን ኣሰራርሓ ፋይናንስን ኣብ ምምራሕ ጠሚቱ እቲ ሚኒስቴር ዘለዎ ምድላው ከምዝተሓተተን መብርሂ ከምዘተውሃበን ተገሊፁ።

ንግዲ ወፃኢ ከብ ንምባል ኣብ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ጠመተ ክግበር ኢዩ ኢሎም ኣይተ ኣሕመድ።

ፅዕንቶ ልቓሕ ኣብ ምቅላል እውን ውፅኢታዊ ተግባራት ይፍፀሙ ምህላዎም ኣረዲኦም።

Comments (0)
Add Comment