መንግስቲ ፌዴራል ምስ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ክደራደር ኢዩ ብዝብል ዝተወዘዐ ወረ ሕሾት ኢዩ-መፃሪዪ ሓበሬታ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ፌዴራል ምስ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ክደራደር ኢዩ ብዝብል ዝተወዘዐ ወረ ሕሾት ኢዩ ክብል መፃሪዪ ሓበሬታ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካን ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካን ሲሪል ራማፎዛ መንግስቲ ፌዴራልን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ገበነኛታት ህወሓትን ዘደራድር ልኡኽ ክሰዱ ኢዮም ብዝብል ዝተወዘዐ ፀብፃብ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከምዝኾነ ኢዩ ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ  ሉኡኻት ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎዛ ተቐቢሎም ብውልቀ ክዛተዩ ኢዮም ኢሉ።

መፃሪዪ ሓበሬታ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ከምዝበሎ፥ ደርድር ብዝምልከት ዘሎ ቅዋም መንግስቲ ፌዴራል ፈፂሙ ኣይተለወጠን።

ይኹን እንበር መንግስቲ ፌዴራል ምስ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንምሽምጋል እቶም ልኡኻት ናብ ኢትዮጵያ ክመፅኡ ኢዮም ተባሂሉ ዘንዛሕ ዘሎ ወረ ሓሾት ከምዝኾነ ነረጋግፅ ኢሉ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment