መንግስቲ ፌዴሪኢ ቀዳማይ ዓመት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ዝጠመተ ዝሃቦ መግለፂ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ፌዴሪኢ ቀዳማይ ዓመት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ዝጠመተ ዝሃቦ መግለፂ። 

መንግስቲን ህዝብን ኢትዮጵያ ንሰላም ብዘለዎም ቅዋም ናይ ውሽጢ ይኹኑ ደገ ፀላእቲ እንተጋጥሙ እናተጠቕዑ አወን እንተኾነ ቀዲሞም ናይ ሰላም ኣማራፂ ኢዮም ዝደሊዩ።

 

ዝፈርሑ፣ ዓቕሚ ዘይብሎም ብምምሳል ክሳብ ዝረኣዩ ፀገማት ብሰላም ንምፍታሕ ክሳብ መወዳእታ ይኸዱ ኢዮም። መንግስቲ ኣማራፂ ሰላም ኣብዚሑ ዝደልየሉ ምኽኒያት ኲናት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ናብ ሰላም፣ ህብረ ብሄራዊ ሓድነትን ምዕባለን ስለዘየምፅእ ኢዩ።

እቶም ኣማራፅታት ሰላም ተፀንቂቖም ምውድኦም እንትርኢ ግን መንግስቲን ህዝብን ኢትዮጵያ ከም ሓራስ ነብሪ ብምልዓል ንፀላእቶም ኣደብ የትሕዙ። ናይ ቀረባ ይኹን ርሑቕ ታሪክና እዚ ኢዩ ዘርእይ።

ኣብ ትግራይ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተፈጠረ ኩነታት ናብ ኲናት ቅድሚ ምምርሑ መንግስቲ ኩሎም ኣማራፅታት ሰላም ፈቲኑ ኢዩ። ብዓበይቲ ዓዲን መራሕቲ ሃይማኖትን ፈቲኑ ኢዩ። ኣደታት እናበኸያ ለሚነን። ኲናት ካብ ልክዕ ንዓቐብ እናተኣወጀ እውን ምስ ክልል ትግራይ ዝነበረ ርክብ ንከይቋረፅ ትዕግስቲ ዘወድእ መገዲ መንግስቲ ተጓዒዙ ኢዩ።

ዝተፈላለዩ ወገናት መንግስቲ ብሕታዊ ሓይሊ ናይ ምጥቃም ሕገ መንግስታዊ መሰሉ ንክጥቀም እንትጉስጉሱ እውን ንዘተን ፖለቲካዊ ዝርርብን ቀዳምነት ብምሃብ ካብ ልክዕ ንዓቐብ ወቐሴታታት ኣተኣናጊዱ ኢዩ።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት መንግስቲ ናይ ሓይሊ ልዕልነት ከምዘለዎ እናረጋገፀ እውን ንህዝቢ ትግራይ ክብል ኲናት ደው ንምባልን ካብ ኲናት ቦታታት ንምውፃእ ቆራፅ ውሳነ ብምውሳን ተግባራዊ ገይሩ ኢዩ።

ኣብ ውሽጢ ኲናት ሓገዝ ንህዝቢ ትግራይ ንክበፅሕ መገዲታት ብምኽፋት ኣሕሊፉ። ሓገዝ ዝፀዓና መኻይን ብዝኸድኡ እናተረፋ እውን ካብ ህዝቢ ዝበልፅ የለን ብምባል ፀገሙ ተፃዊሩ ሓገዝ ንከይቋረፅ ገይሩ።

እዚ ኩሉ ተገይሩ ዝድለ ሰላም ብዘይምምፅኡ ናብ ጎንፂ ተኣትዩ። በዚ ምኽኒያት ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ንክፍፀም መንግስቲ ተገዲዱ። መንግስቲ ተገዲዱ ኣብ ዝኣተዎ ኲናት ዝበፅሐ ኪሳራ ካብ ህዝቢ ትግራይን መንግስቲ ትግራይን ንላዕሊ ዝፈልጦ የለን።

ኲናት ብሕታዊ ኣማራፂ ዝገበሩ ሓይሊታት መናእሰይ ትግራይ ናብ ሓዊ ኣእትዮም። ኣደታት ኢትዮጵያ ብሓዊ ሓዘን ጠቢሶም። ኢኮኖሚ ሃገርን እቲ ክልልን ኣዕኒዮም። ህዝቢ ትግራይ ምስ ካሊእ ህዝቢ ኢትየዮጵያ ዝነበሮ ዘበናት ዝተሳገረ ወገናዊነት ኣበላሽዮም።

ኣብ መወዳእታ እቲ ኲናት መንግስቲ ፌዴራል ኩሉ ነገር ብሓይሊ ንምፍፃም ዘኽእል ወተሃደራዊ ቁመና ነይሩዎ። ይኹን እንበር እቲ ኲናት ብስምምዕነት ሰላም እንተተቛረፀ ሃገር ኣትራፊ ዝገብር ብምዃኑ ስለዝተኣመነሉ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ንክፍረም ገይሩ ኢዩ።

እዚ ዝገበረሉ ካብ መትከሉ ዝፍልፍል ምኽኒያት ነይሩዎ፤ ብዝኾነ ይኹን ምኽኒያት ንትውልዲ ቂም ምውራስ የብልናን፤ ኲናት ሰዓሪን ተስዓሪን ይፈጥር ኢዩ፤ ሰላም ግን ንኹሉ ሰዓሪ ዝገብር ኢዩ፤ መፃኢ ትውልዲ ብሰዓሪን ተስዓሪን ተረኽ ውሽጢ ካብ ዝዓቢ ንኹሉ ሰዓራይ ብዝገብር ተረኽ ሰላም እንተዓበየ ይሓይሽ ካብ ዝብል ዝተገበረ ኢዩ።

ዝተጎድኡ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ካብ ጉድኣቶም ዝፅግንሉ ኩነታት ዝተውሃበ ዕድል እውን ኢዩ። እዚ ውሳነ ሃገር ንምህናፅን ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ንምህናፅን እንትበሃል ዝተኸፈለ መስዋእትነት ኢዩ።

ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም መንግስቲ ልቦና ኣስፊሑ እቲ ቁስሊ ንምሕዋይ ካብ ዘለዎ ባህጊ ነዊሕ ርሕቐት ተጓዒዙ ኢዩ። ድሕሪ ምፍራም ውዕል ሰላም ግመ ፅልኢ ብምቕንጣጥ ናብ ትግራይ ፈላማይ ዝተጓዓዘ ብኣፈ ጉባኤ ዝተመርሐ ልኡኽ መንግስቲ ፌዴራል ኢዩ። እቲ ልኡኽ ድሕሪ ምጉዓዙ ኣገልግሎት ቴሌኮሙኒኬሽን፣ ባንኪን ኣውሮፕላንን ብቕልጡፍ ንክጅመሩ ተገይሩ።

ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝተጣየሸሉ እዋን ምስሕሓብን ምጉታትን ንምትራፍ እንትበሃል ግደ መሪሕነቱ እቲ ክልል ንክወስድ ብምግባር እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ፋታ ረኺቡ ገፁ ናብ ሰላምን ልምዓትን ንከዝውር ተገይሩ።

ስራሕቲ ግብርና ንምዝማን ዝምልከቶ ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ብብርኪ ክልል ትፅቢት ካብ ዝግበረሉ ንላዕሊ ሰሪሑ። ዩንቨርስቲታትን ኣብያተ ትምህርቲን ናብ ኣገልግሎት ንምምላስ ሚኒስቴር ትምህርቲ ካብ ልኡኹ ንላዕሊ ተጓዒዙ።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፀገም ህዝቢ ንምፍታሕ ካብ ናይ ባዕሉ ባጀት ቀኒሱ ብዙሓት ተግባራት ፈፂሙ። ሰላም ስምምዕነት ከም ሓደ ዕድል ብምጥቃም ህዝቢ ካብ ፀገም ንምድሓን፣ መንግስታዊን ማሕበራዊን ኣገልግሎታት ብምጅማር ሓላፍነቱ ተዋፂኡ። ውሱናት ፀገማን እናሓገዘ፣ ሓደ ሓደ ነገራት ክኢሉ እናሓለፈ፤ ሓደ ሓደ ነገራት እናመዓደ፤ ሓደ ሓደ ነገራት እውን ባዕሊ እናሰርሐ እቲ ስምምዕነት ሰላም ብዝተማልአ መገዲ ኣብ ከይዲ ንክፍፀም ንምግባር ፈቲኑ።

ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ሓደ ሓደ ነገራት ናብ ድሕሪት እናተረፈን እቲ ስምምዐነት ብዝተማልአ ኩነታት እንተየፈፀመ እናሓንከሰ እውን ነቲ ክልል ዝግበር ኩለ መዳያዊ ድጋፍ መንግስቲ ፌዴራል ኣየቋረፀን።

ካብ መንግስቲ ፌዴራል ብተወሳኺ ክልላት ካብ ዘለወን ትሑት ባጀትን ኣታዊን ብምንካይ ንክልል ትግራይ ደጊፈን ኢየን። ኣከራኻሪ ዝበሃሉ ከባቢታት ብዝምልከት መንግስቲ ፌዴራል ቅዋም ወሲዱ ሰሪሑ ኢዩ። መንግስቲ ፌዴራል በዚ ኩነታት ዘለዎ ቅዋም ዘላቒ ሰላም ዘረጋግፅ፣ ንኹሉ ወገን ብዝጠቅም መገዲ፣ ህብረ ብሄራዊ ሓድነትን ምዕባለን ብዘረጋግፅ መገዲ መፍትሒ ክህብ ኣለዎ።

ክረምቲ ከይኣተወን ስራሕቲ ሕርሻ ቅድሚ ምጅማሮምን ተመዛበልቲ ናብ ከባቢኦም ንክምለሱ፤ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብዝመረፅዎም ኣካላት ንክመሓደሩ፤ ኣብ መወዳእታ እውን ደረጃ ብደረጃ ብመሰረት እቲ ሕገ መንግስቲ ህዝበ ውሳነ ንክግበር ኣንፈት ተቐሚጡ።

እዚ ተግባራዊ ንምግባር ምንቅስቓስ ይግበር ኣሎ። እዚኦም ኩሎም ቅዋማትን ተግባራትን ህዝቢ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ብዝግባእ ይፈልጥ ኢዩ።

እዚ ኩሉ እንተተገበረ እውን በቲ ወገን እግሪ ናይ ምጉታት ዝንባለ ይረአ ኢዩ። እዚ ግን ዘላቒ ሰላም፣ ምዕባለን ህብረ ብሄራዊ ሓድነት ህዝብታትን ኣየረጋግፅን።

መንግስቲ ፌዴራል ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ብዝምልከት ትፅቢት ካብ ዝግበረሉ ንላዕሊ ተጓዒዙ ኢዩ። በዚ እውን ንሰላም ዘለዎ ቅዋም ደጋጊሙ ኣርኢዩ ኢዩ።

ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ሙሉእ ብሙሉእ ንክኽበር መንግስቲ ሐዚ እውን ቁርፀኛ ቅዋም ኣለዎ። ኩሎም ኣካላት ተመሳሳሊ ቁርፀኝነት ብምርኣይ ትፅቢት ዝግበረሎም ሓላፍነት ክዋፅኡ ይግባእ።

26 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም

ኣዲስ ኣበባ

ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment