መንግስቲ ፌዲሪኢ ኣውሮፕላን መገደኛታት ታንዛኒያ ተሓምሺሻ ብዘጋጠመ ሓደጋ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፌደራላዊ ዲሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣውሮፕላን መገደኛታት ታንዛኒያ ኣብ ቃላይ ቪክቶሪያ ተሓምሺሻ ብዘጋጠመ ሓደጋ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ገሊፁ።

መንግስቲ ፌዲሪኢ በቲ ሓደጋ ህይወቶም ብዝሰኣኑ ዜጋታት መሪር ሓዘኑ ዝገለፀ እንትኸውን÷ ንስድረኦምን ዘመድ ኣዝማድን ፅዓት ተመኒዩ፡፡

በቲ ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ሓደጋ ጉድኣት ኣካል ዘጋጠሞም ካብ ሕማሞም ንኽድሕኑ ሰናይ ትምኒቱ ገሊፁ፡፡

ትማሊ 49 ሰባት ኣሳፊራ እናተጓዓዘት ዝነበረት ኣውሮፕላን መገደኛታት ታንዛኒያ ኣብ ቃላይ ቪክቶሪያ ከምዝተሓምሸሸት ይፍለጥ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment