መንግስቲ ፈተናታት ብብቕዓት ንምስጋርን ፅባቐ እዛ ሃገር ንምቕያርን ይሰርሕ ኣሎ- ኣይተ ኣሻድሊ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ሆሳእና “ካብ ተሓጋዛይነት ናብ መፍረይነትንዝተማልአ ሃገራዊ ሉኡላውነትን ክብሪን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ህዝባዊ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉምዝ ኣሻድሊ ሓሰን፥ ናይ ለውጢ መንግስቲ ፈተናታት ብብቕዓት ንምስጋርን ፅባቐ እዛ ሃገር ንምቕያርን ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም።

ብፍላይ ከም ሃገር ዝፀንሑ ልቓሕን ስምብራትን ንምፅጋን ናይ ለውጢ መንግስቲ ብቑርፀኝነት ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ተዛረቦም።

ኣብ ዝሓለፉ ማውቲ ብምግቢ ዓርስኻ ንምኽኣል ዝተገበሩ ጎስጓሳት ሓምለዋይ ኣሰር፣ ኣተሓሳስባ ተሓጋዛይነት ንምቕያር ዝተገበሩ ፃዕሪታት ብሩህ ተስፋ ምፍጣሮም ኣዘኻኺሮም።

ብተመሳሳሊ፥ ኣብ ከተማ ሃዋሳ “ካብ ተሓጋዛይነት ናብ መፍረይነትንዝተማልአ ሃገራዊ ሉኡላውነትን ክብሪን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ህዝባዊ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

Comments (0)
Add Comment