መንግስቲ ፅዕንቶ ናህሪ ናብራ ንምቕናስ ብዙሓት ኢንሸቲቫት ብምቕራፅ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ፅዕንቶ ናህሪ ናብራ ንምቕናስ ብዙሓት ኢንሸቲቫት ብምቕራስ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)፥ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘሳልጦ ዘሎ መበል 36 ስሩዕ ኣኼባ ብምርካብ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝተልዓሉ ሕቶታት መብርሂን ምላሽን ሂቦም።

ናህሪ ናብራ ፈተና ብዙሓት ሃገራት ዓለም ብምዃን ይቕፅል ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ኣብ ውሱናት ሃገራት ልዕሊ 60 ሚኢታዊ ዝበፅሐ ናህሪ ዋጋ ይምዝገብ ኣሎ ኢሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ እውን ፅዕንቶ ናህሪ ናብራ ንምቕናስ መንግስቲ ብዙሓት ኢንሸቲቫት ብምቕራፅ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ብፍላይ “ሌማት ትሩፋት” ናህሪ ናብራ ንምርግጋዕ ልዑል ግደ የበርክት ከምዘሎ ገሊፆም።

ሎሚ ዘበን ዝተገበረ ፍሪያት ምምሕያሽ ምስ ሕሉፍ ዓመት እንትነፃፀር ልዕሊ 100  ሚሊየን ኩንታል ዛይዳ ዘለዎ ፍሪያት ምእካብ ከምዝተኽኣለ ኣብሪሆም።

ብተወሳኺ መንግስቲ 10 ቢሊየን ብር ኣታዊ ብምግዳፍ መሰረታዊ ሸቐጣት ካብ ቀረፅ ናፃ ንክኣትዉ ከምዝገበረ ገሊፆም።

እዚ ኩሉ ዝግበር ዘሎ ናህሪ ናብራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዘበፅሖ ፅዕንቶ ንምቅላል ዝተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ናህሪ ናብራ ኣብ ሕሉፍ ዓመት ካብ ዝነበሮ 30 ሚኢታዊ ናብ 23 ክንኪ ከምዝተገበረ ኣገንዚቦም።

Comments (0)
Add Comment