ኣዲስ ኣበባ ፣ 22 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ፀገም ንምፍታሕ ንዘቕረቦ ሕቶ ምላሽ ሂቡ።
ሙሉእ ትሕዝቱኡ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦
ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓማውቲ ኣብዛ ሃገር ወለዶ ዝቐትል መከራ ከምዘስዐበ ይፍለጥ፡፡ ኢትዮጵያውያ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ብዝገበሩዎ መሪር ቃልሲ እቲ መከራ ተወጊዱ ኢዩ።
ዝሓለፉ በደላት ብይቕሬታ ንምስጋር ሓይሊ ለውጢ ዝገበሮ ተደጋጋሚ ፃዕሪ ኩሉ ዝፈልጦ ኢዩ፡፡ ብፍቕሪ ንደመር፣ ብይቕሬታ ንሳገር ብዝብል መምርሒ መሰረት ብምግባር፣ ኩሉ ግዘ እናፍረስና ካብ ንሃንፅ፣ ዝሓለፈ ብይቕሬታ፣ ዝመፅእ ድማ ብኻሕሳ ንምሕላፍ ፃዕሪ ገይርና ነይርና፡፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ንኹልና ንእረመሉ ዕድል ሂቡና ነይሩ፡፡
ይኹን እምበር ጉጅለ ህወሓት ንኢትዮጵያ ኣፍሪሰ እታ ዝፈራረሰት እናሸጥኩ እንተዘይተጓዝኩ ብዝብል ንይቅርታ ህዝቢ ዋጋ ክህቦ ኣይከኣለን፡፡ ንባዕሉ ድማ ካብ ከይዲ ለውጢ ካብ ምውፃ ሓሊፊ እቲ ለውጢ ንምትዕንቓፍ ማሕለኻታት ምብዛሕ ጀሚሩ፡፡ በቲ ዝሓዞ ቅዋም ተደጋገምቲ ዝኾኑ ዕድላት ኣበላሺዩ፡፡ ካብዚ ሓሊፉ ድማ ጎንፂታት እናሓንፀፀ፣ ህልቂት እናፈጠረ ሃገር ንምፍራስ ዝገብሮ ስራሕ ቀፀለ፡፡ ብኢህወዴግን መድረኻት መንግስቲን እቲ ፀግም ብልዝብ ንምፍታሕ ዝነበረ ዕድል ክተዓናቐፍ ገይሩ ኢዩ፡፡ ብዓበይቲ ዓዲን ኣቦታት ሃይማኖትን ህወሓት ምስ መንግስቲ ፌዴራል ንምቅርራብ ዝተፈተነ ሽምግልና ኩሉ ብህወሓት ተነፂጉ ኢዩ፡፡
እዚ ኩሉ ኮይኑ እውን መንግስቲ ዝኸፍአ ሃገራዊ ናዕቢ ክሳብ ዘይተፈጠረ እቲ ፀገም ብትዕግስቲ ምርኣይ ይግባእ ዝብል ቅዋም ነይሩዎ፡፡ ጉጅለ ህወሓት ናብቲ ክልል ዝተለኣኸ በጀት ንመዕደጊ ኣፅዋርን ድግስን ጥፍኣትን እናውዓሎ ከምዝኾነ እናተፈለጠ ህዝቢ ከይጉዳእ ብዝብል በጀት እቲ ክልል እንተይተቛረፀ እኳደኣስ ተወሳኺ በጀት ተዋሂቡዎ፤ እቲ ክልል ኣብ ፌዴራል መንግስቲ ዝነበሮ ውክልና እንተይተነኽአ ብሰላም ንኽቕፅል ተፈቲኑ ኢዩ፡፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ቆንፂን ምፍንቓልን እናስዐበ እናሃለወ እውን ንኽልል ትትግራይ ንምምሕዳር ዝኣገዶ ኣይነበረን፡፡
እዚ ኩሉ ናይ መንግስቲ ትዕግስቲ ከም ፍርሓት ዝቖፀረ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ሃገር ከፍርስ ዝኽእል መጥቃዕቲ ፈፀመ፡፡ ልዕሊ 20 ዓመት ዶብ እናሓለወ ንህዝቢ ትግራይ እናሓለወ ዝነበረ እዚ ሰሜን ዘስካሕኽሕ ግፍዒ ሰሪሑ፡፡ ዝተወሰኑ ቀቲሉ፣ ዝተወሰኑ ሓሪዱ፣ ኣብ ልዕሊ ዝተወሰኑ ድማ ኢሰብኣዊ ተግባር ፈፀሙ ኢዩ፡፡ ኣፅዋር ናይ እዚ ሰሜን ብምውሳድ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ግልፂ ሓደጋ ከንፀላሉ ገይሩ፡፡
ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ብሕገ-መንግስቲ ዝተውሃቦ ሉኣላውነትን ህልውናን ሃገር ናይ ምሕላው ሓላፍነት መሰረት ብምግባር ብዝወሰዶ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ፥ እቲ ጉጅለ ካብ ጥቕሚ ወፃእ ኮይኑ ኢዩ፡፡ ውዳብኡ ፈሪሱ፣ ወታደራዊ ዓቕሙ ተደምሲሱ፣ ኣመራርሑኡ ምሩኽ፣ ምዉትን ቁሱልን ከይኑ፣ ዝተረፈ ድማ ተበታቲኑ ኢዩ፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ምስዛዘመ ገፁ ናብ መሊስካ ምጥያሽ ብምዛር ጉጅለ ህወሓት ብዘብፀሖ ጥፍኣት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ንምህናፅ ናይ ህይወት መስዋእቲ እንተይተረፈ እናኸፈለ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ሰሪሑ ኢዩ፡፡ እቲ ስራሕቲ መሊስካ ህንፀትን ሓገዝን ንምሕጋዝ መንግስቲ ፌዴራልን መንግስታት ክልላትን ልዕሊ 100 ቢሊየን ብር ወፃኢ ገይረሮ ኢዮም፡፡
ልዕሊ 30 ዝኾና ትካላት ሓገዝን 400 ዝኾኑ ሰራሕተኛታቶም ናብቲ ክልል ኣቲዮም ሓገዝ ንኽገብሩ ገይሩ ኢዩ፡፡ ካሊእ ይትረፍ ፀገም መራኸቢ ከይህሉ ብፍሉይ መልክዑ ንዓለም ለኸ ትካላት ናይ ባዕሎም መሳርሒ ንምጥቃም ዘኽእል ዕድል ተፈጢሩሎም ኢዩ፡፡ ኣገር ለኸን ዓለም ለኻዊን መራኸብቲ ሓፋሽ እቲ ከይዲ ንኽግንዘቡ ተፈቒዱ ኢዩ፡፡ ማሕለኻታት ቪዛን ጉዕዞን ከይህልዉ ኩሎም ኩነታታት ተመዓራሪዮም ኢዮም፡፡
ኣብ ከይዲ እቲ ጉዕዞ ግን ዝተወሰኑ ዓለም ለኸ መሓዙትና እቲ ፀገም ንምግንዛብ ድሌት ኣየርአዩን፡፡ ርዳእታ ንኽህቡ ዝኸፈትናሎም መስመር እውን ዘይተገበአ ተግባር እንትጥቐሙሉ ተራኢዮም ኢዮም፡፡ ዝተወሰና መራኸብቲ ሓፋሽ እውን ካብ ሓቂ ብምርሓቕ ብተፃራሪ ጠጠው ምባል መሪፀን ኢየን፡፡
ካብ ሞንጎ ዝግበሩ ሓገዛት 70 ሚኢታዊ ዝኸውን ብመንግስቲ ከምዝሽፈን እናተፈለጠ ንመንግስቲ ኣፍልጦ ክህባ ኣይከኣላን፡፡
መንግስቲ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ናይ ምፍታሕ ቀዳማይን ዋናን ሓላፍነት ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ እምበር ርዳእታ እንተይሃቡ ብዛዕባ ሓገዝ ዘውርዩ ኣካላት ከምዘይኮነ ብምእማን ዝተኸኣለ ኩሉ ገይሩ ኢዩ፡፡
ጎድና ጎድኒ ወፍሪ ምኅባር ሕጊ ፀገም እቲ ክልል ብዘላቐነት ንምፍታሕ ብኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን እናቀረቡ ዝነበሩ መፍትሒ ሓሳባት መንግስቲ ፌዴራል እናተዓዘቦም ፀኒሑ ኢዩ።
እዚ ከምዚ እናሃለወ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብተኸታታሊ ዘቕረቦ ሕቶ መንግስቲ ብዝተፈላለዩ ኣንፈታት ተመልኪቱዎ ኢዩ፡፡ ብሓደ ወገን ነቲ ከባቢ ብዝመርሕ ኣካል ዝቐረበ ምዃኑ፣ ብኻሊእ መዳይ ድማ እቲ ሕቶ ቅድ ምቕራቡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ምስ ተወለድቲ እቲ ክልል፣ ዓበይቲ ዓዲን ኣቦታት ሃይማኖትን ልዝብ ዝተገበረሉ ምዃኑ ኣብ ግምት ከኣቱ ተግይሩ ኢዩ፡፡
እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ከምዝሓበሮ፣ መላእ ህዝቢ እውን ከምዝርደኦ፣ ዝተበታተነ ሓይሊ ጥፍኣት ህወሓት ኣብ ዝሃድመሎም ከባቢታት ሓረስታይ ተረጋጊኡ ናብ ሕርሻ ከኣቱ ኣይከኣለን፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እቲ ክልል ዕስለ ኣምበጣ ዘጥቀዖ ብምዃኑ ፍርያት ሕርሻ ብእኹ ኩነታት ኣይረኸበን፣ ካብ ኣምበጣ ዝተረፈ ከይእክቦ ድማ ኣብ እዋን መእከቢ ህወሓት እቲ ከባቢ ናይ ጎንፂ ማእኸል ገይሩዎ ኢዩ፡፡ በቲ ኹነታት ናይዚ ዓመት ክረምቲ ብዘይ ሕርሻዊ ስራሕቲ እነተሓሊፉ ንሓረስታይ ዓቢዪ ሓደጋ ክኸውን ኢዩ፡፡ ካብዚ ብምብጋስ ህወሓት ብዝፈጠሮ ቀውሲ ገዝኦም ዝፈረሶም፣ ስራሕቲ ሕርሻኦም ዝተኣጓሎም፣ ከባቢኦም ሓዲጎም ዝተመዛበሉ ኩሎም ዝተረጋግአ መነባብሮ ክነብሩ ኣይከኣሉን፡፡
ብሓደ ወገን እዞም ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው፤ ብኻሊእ መልክዑ ድማ ኣብ በረኻ ምስ ዝተበተነ ሓይሊ ኩነታት እንተተመዓራሪዮምሉ ናብ ሰላም ክመፅእ ዝኽእል ሓይሊ ይህሉ ኢዩ ተባሂሉ ስለዝተኣመነ፣ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ዘቕረቦ ሕቶ መንግስቲ ብኣወንታ ተቐቢሉዎ ኣሎ፡፡
እዚ ከምዘሎ ኮይኑ እቶም ቀንዲ መራሕቲ ሓይሊታት ጥፍኣት ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብ ስራሕቲን ዝተጀመረ ተግባር ምርመራን ተጠናኺሩ ክቕፅ ኢዩ።
ብመሰረት እዚ ሓረስታይ ተረጋጊኡ ስርሑ ንኸሳልጥ፣ ስራሕቲ ሓገዝ ካብ ወታደራዊ ምንቅስቓስ ናፃ ኮይኑ ንኽከፋፈል፣ ሰላም ዝመረፁ ኣካላት ጉጅለ ህወሓት ናብ መገዲ ሰላም ንኽመፅኡ፤ እንተይተረደኦም ናብቲ ተረፍመረፍ ሓይሊ ትፍኣት ዝኣተዉ ኣካላት ከምብሓዱሽ ንኸሓስቡሉን ናብ ሰላማዊ መገዲ ንምምፃእን ዕድር ክረኽቡ ንምግባር፣ እቲ እዋን ክረምቲ ክሳብ ዝዛዘም ዝፀንሕ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኹነት ኣብ ሰብኣውነት ዝተመርኮሰ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ካብ ትማሊ 21 ሰነ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ መንግስቲ ኣዊጁ ኣሎ፡፡
ኩሎም ትካላት ፌዴራልን ክልልን ሲቪልን ወታደራዊን፣ ካብ መንግስቲ ዝወሃቦም ዝርዝር ኣፈፃፅማ መሰረት ብምግባር እቲ መምርሒ ምቁራፅ ተኹሲ ንኸኽብሩ ተኣዚዞም ኣለዉ፡፡ እቲ ፅቡቕ ዕድል ንሕማቕ ተግባር ዝጥቀሙ ወገናት እንተኣጋጢሞም ግን ኣድላዪ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ከከም ኩነታቱ ክሳለጥ ኢዩ፡፡
ፌደራላዊ ዲሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ መንግሥቲ ኢትዮጵያ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።