መንግስቲ ግብፂ ኣብ ሩባ ኣባይ ዝሓዞ ኣሉታዊ ቅዋም ብምቕያር ናብ ስምምዕነት ንኽመፅእ ዓለም ለኸ ውዳበታት ዳያስፖራ ሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ግብፂ ኣብ ሩባ ኣባይ ዝሓዞ ኣሉታዊ ቅዋም ብምቕያር ናብ ስምምዕነት ንኽመፅእ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ 30 ዓለም ለኸ ውዳበታት ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ሓቲቶም።

እቶም ውዳበታ ዳያስፖራ፥ ፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ሩባ ኣባይ ዝድግፍን መንግስቲ ግብፂ ብመንፅር እዚ ዝሓዞ ኣሉታዊ ቅዋም ብምልዋጥ ናብ ስምምዕነት ንኽመፅእ ዝሓትትን መግለፂ ኣውፂኦም።

ዓለም ለኸ ውዳበታት ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ንመንግስቲን ህዝቢን ግብፂ ኣብ ዝለኣኹዎ መግለፂ፥ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝግበር ድርድር ብመንፈስ ምትሕብባር ዝምራሕ፣ ንኹለን ተፋሰስ ሃገራት ተረባሕቲ ዝገብር ኮይኑ ብፍትሓዊነትን ማዕርነትን ዝዛዘም ንኽኸውን ህዝቢን መንግስቲን ግብፂ ግደኦም ንኅዋፅኡ ሕቶ ኣቕሪቦም።

ኢትዮጵያውያን ንምልማዕ ካብ ዘለዎም ፅኑዕ ድሌት ዝተልዓለ፥ ንዝሓለፉ 12 ዓማውቲ ካብ ባዕሎም ዘተኣኻኸቡዎ ሃፍቲን ልዑል ብፅሒት ካብ ዘበርክቱሉ ሩባን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እናሃነፁ ምፅነሖም እቲ መግለፂ ኣዘኻኺሩ።

ምህናፅ እቲ ግድብ ኣብ ሞንጎ ተፋሰስቲ ሃገራት ዝህሉ ምትሕብባርን ምትእስሳርን ዘደንፍዕ ከምኡ እውን ውፅኢታዊነት ምሕደራ ማይ ዝውስኽ ከምዝኾነ እውን ኣፍሊጦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment