መንግስቲ ጀርመን ኢትዮጵያ እናገበረቶ ትርከብፃዕሪ ንኽድግፍ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ጀርመን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን፣ ትውልደ ኢትዮጵያውያንና ፈተውቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ጀርመን ኢትዮጵያ እናገበረቶ ትርከብፃዕሪ ንኽድግፍን ኣብ ዳግመ ህንፀት  ንኽሳተፍን ብደብዳበ ሓቲቶም።

እቲ ደብዳበ ኣብ ፓርላማ ሕብረት ኣውሮፓ ንጀርመን ዝወከሉ ኣባላት፣ ንፓርላማ ሕብረት ኣውሮፓን ፕሬዚዳንት ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓን፣ ንዓበይቲ ፓርቲታት ፐለቲካ ጀርመን፣ ንቤት ፅሕፈት መራሂተ መንግስቲ ጀርመን፣ ንፓርላማ ጀርመን፣ ንትካል ተራድኦ ጀርመንን ምስ ኢትዮጵያ ሕውነታዊ ስምምዕነት ንዝተፈራረማ ኣርባዕተ ከተማታትን ዝተለኣኸ ኢዩ ተባሂሉ።

መንግስቲ ጀርመን ኢትዮጵያ እናገበረቶ ትርከብፃዕሪ ንኽድግፍን ኣብ ዳግመ ህንፀት  ንኽሳተፍን እቲ ደብዳበ ሓቲቱ።

ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እናፈጠረኦ ዝርከባ ዘይተገበአ ፅዕንቶ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ንዝበለፀ ጥፍኣት ከምዘለዓዓሎ ኣብቲ ደብዳበኦም ገሊፆም።

እቲ ጉጅለ እናፈፀሞም ዝርከቡ ገበናት ኲናት ንኽኹንኑ ካብ ምትሕስሳቡ ብተወሳኺ፥ ሕብረት ኣውሮፓ ይኹን መንግስቲ ጀርመን ንባዕሎም ዘይሰብኣዊ ትግባራት እናፈፀመ ካብ ዝርከብ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ክርሕቑን ንምርግጋእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣስተዋፅኦ ከበርክቱን ምሕታቶም ካብ ኤጀንሲ ዳያስፖራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment