ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፕሮግራም ቃልኪዳን ምስፍሕፋሕ ሰቆጣ ትኹረት ዝገበረን ብሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ዝተመርሐን መድረኽ ዘተ ብበይነ መርበብ ተኻይዱ፡፡
ኣብቲ መድረኽ ዘተ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድኽዳኸ ህፃናት ንምቅራፍ ኣብ ምግብን ስርዓተ ምግብን ጠመተ ሂቡ እናሰርሐ ከምዝፀንሐን እናሰርሐ ከምዝኾነን ዶክተር ሊያ ኣረዲአን፡፡
ኣብ ትግበራ እቲ ፕሮግራም ኣስተዋፅኦ መዳረግቲ ኣካላት ምጥንኻር ከምዝግባእን ዓቅሚ ፋይናንስ ውሽጢ ሃገር ብምዕባይ ምዕራፍ ኢኖቬሽን ንምትግባርን ወሳኒ ምዃኑ ተዛሪበን፡፡
ፕሮግራም ቃልኪዳን ምስፍሕፋሕ ሰቆጣ ንምቕልጣፍን ዘላቂ ልምዓት ንምዕዋት ኣብ ዝተገበረ መድረኽ ዘተ÷ ሚኒስተራት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ኣመራርሓ ዓለም ለኸ ትካላትን ዝተፈላለዩ መዳረግቲ ኣካላትን ከምዝተሳተፉ ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ መረዳእታ የመላኽት፡፡
ፈተነ ትግበራ ምዕራፍ ፕሮግራም ቃልኪዳን ምስፍሕፋሕ ሰቆጣ ኣብ 2012 ዓ.ም ዝተጀመረ እንኸውን÷ ነቲ ፕሮግራም ንምዕዋት ዝተተሓዘ በጀት 477 ሚሊየን ብር ብቅልጡፍ ለውጢ ኣብ ዘምፅኡ ሕርሻ፣ ትምህርቲ፣ ኣተሓላልዋ ጥዕና ህፃናትን ኣዴታትን፣ ኣብ ቐረብ ፅሩይ መስተ ማይ፣ ኣብ ህንፀት ልምዓት መገድን ካልኦት ልምዓታትን ጠመተ ገይሩ ዝሰርሕ ምዃኑ ይፍለጥ፡፡
ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!
ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!
መከላከያ ይደግፉ/ፋ!
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።