መንግስቲ ድሕንነት ህዝብን ሃገርን ንምሕላው ክብል ስጉምቲ ንምውሳድ ክግደድ ኢዩ – ቀ/ሚ ዶ/ር ኣብይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ድሕንነት ህዝብን ሃገርን ንምሕላው ክብል ሕገ መንግስቲ ኣብ ዝጥሕሱ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓሳት ስጉምቲ ንምውሳድ ከምዝግደድ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምድሃብ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ህዝቢ ዝሳተፈሉን ዝዋፈረሉን ባህጊ ህንፀት ምምሕዳር ወይ ስርዓት ዴሞክራሲ ኣብ ታሪኽ ዘመናዊት ኢትዮጵያ ጎሊሆም ካብ ዝተርኣዩ ድልየታት ሓደ ኢዩ ኢሎም።

ቀፃሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሳለጥ ሓፈሻዊ ምርጫ ነቲ ድልየት ብዝበለፀ ንምጉልባት ዝሕግዝ ኩነት ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ዝተወሰኑ ፓርቲታት ፖለቲካ “እቲ ምርጫ ክካየድ ኣይብሉን” ዝብል ቅዋም ኣብ ዝሓዝሉ እዋን መንግስቲ ግን ሃገራዊ ረብሓ ብምርዳእ እቲ ምርጫ ብእዋኑ ንምክያድ ዘኽእል ምድላው እናገበረ ከምዝፀንሐ ኣዘኻኺሮም።

ይኹን እምበር ብምኽኒያት ቫይረስኮሮና እቲ ምርጫ ብዝተትሓዘሉ ግዜ ሰሌዳ ምክያድ ከምዘይከኣል ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ 22 መጋቢት 2012 ዓ.ም ከምዘፍለጠ ገሊፆም።

ብምኽኒያት እቲ ሕማም ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዓለም እውን ምንዋሕ ምርጫ ሓዊሱ ካልኦት ምንቅስቓሳት ስፖርት እውን ከምዝተሰረዙ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽኒያት ዘጋጠመ ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና እቲ ምርጫ ንኻሊእ እዋን ምትሕልላፉ ግድን ኢዩ ኢሎም።

ሰብ ሙያ ሕጊ እውን ምርጫ ክናወሐሉ ዝኽእል ኣማራፅታት ሕጊ ከምዘቕረቡን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ዘተ ከምዝተገበረሉን ገሊፆም።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣብ ጉዳይ ሕገ መንግስታዊ ትርጉም ንክወሃቦ ንጉባኤ ምፅራይ ሕገ መንግስቲ ከምዝመርሖ ተዛሪቦም።

ነዚ ስዒቡ ሃናፂ ርእይቶታት ንዝህቡ ኣካላት ዘመስገኑ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ይኹን እምበር “እቶም ዝቐረቡ ኣማራፅታት ተቐባልነት ኣይብሎምን፣ እቲ ሕገ መንግስቲ ዝትርጎም ዓንቀፅ ኣይብሉን” ብዝብል ሽግግር መንግስቲ ንኽካየድ ከም ሓሳብ ዘቕርቡ ኣካላት ከምዘለዉ ገሊፆም።

ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መንግስቲ ሕጊ ዘውፅእ፣ ዓለም ለኻዊ ስምምዓት ዝፍርም፣ በጀትን ትልምን ዘፅድቕ ሕጋዊ መንግስቲ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ብልፅግና ፓርቲ እውን ኣብ መላእ ሃገር ኣባላትን ደገፍትን ከምኡ እውን መሓዉር ዘለዎ፣ ሃገራዊ ለውጢ ብምምራሕ ናይ ብዙሓት ድጋፍ ዝረኸበ ገዚፍ ፓርቲ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

ሕጋዊ ብዝኾነ ኣገባብ ስግኣት ኮቪድ-19 ክሳብ ዝቕረፍን ምርጫ ክሳብ ዝካየድን ሃገር ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት ዘለዎ ፓርቲ ከምዝኾነ ድማ ገሊፆም።

ብዘይምርጫ ስልጣን ናይ ምክፍፋል ሕጋውነትን ሕገመንግስታዊ ኣገባብን ከምዘየለ ኣብሪሆም።

ሕገ መንግስቲ ካብ ዝድንግጎ ወፃእ ብዘይሕጋዊ ምርጫ ስልጣን ንምሓዝ ዝግበር ምንቅስቓስ ፍፁም ተቐባልነት ከምዘይብሉ ብምግላፅ፥ ከምዚ ዓይነት ምንቅስቓስ ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ጥራሕ ዘይኮነስ ካልኦት ሕጊታት እዛ ሃገርን ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ዝጥሕስ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

ኣብ ዓንቀፅ 50 ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ካብ ዝተዘርዘሩ ስልጣንን ተግባርን መንግስቲ ፌዴራል ብቐዳምነት ሕገ መንግስቲ ናይ ምሕላውን ምክልኻልን ሓላፍነት ኢዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ፥ ነዚ ሓላፍነት ንምውፃእ ክበሃል ኣድላዪ ስጉምቲ ንምውሳድ ድልዋት ኢና ክብሉ ገሊፆም።

ብሕገ መንግስቲን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን እንተዘይኮይኑ ካብዚ ወፃእ ምርጫ ንምክያድ ምንቅስቓስ ህዝብን ሃገርን ንዝኸፍአ ሓደጋ ዘቃልዕ ስለዝኾነ፥ መንግስቲ ድሕንነት ህዝብን ሃገርን ንምሕላው ክብል ስጉምቲ ንምውሳድ ክግደድ ኢዩ ኢሎም።

ስልጣን ዝደሊዩ ፓርቲታት ፖለቲካ ዝገብርዎም ክርክራት ሓሳብ መናእሰይን ኣደታትን ብዘይጎድእ መገዲ ክገብሩ ከምዝግባእ ይምከር ብምባል፥ ፖለቲከኛታት ስልጣን ንክሕዙ ክበሃል መናእሰይ ክሃልቁ፣ ኣደታት ክነብዓ፣ ኣባይቲ ክፈርስን ህዝቢ ክመዛበልን ኣይብሉን ክብሉ ሓቢሮም።

ስግኣት ቫይረስኮሮና ኣብዘጋጠመሉ፣ ሉእላውነት ሃገርን ድሕንነትን ንሓደጋ ኣብ ዝተቓለዐሉ እዋን፥ መንግስቲ “ብዘይ ምርጫን ኣግባብ ሕጊን ስልጣን ብህውከትን ዕግርግርን እንተዘይሂብኩምኒ ሃገር ከተራምስ ኢየ” ዝብል ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ኣይዕገስን፤ ነዚ እውን ብኹለ መዳይ ድሉዋት ኢና ክብሉ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment