መንግስቲ ዴንማርክ ንልምዓት ኢትዮጵያ ምሕጋዝ ከምዝደሊ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ዴንማርክ ንልምዓት ኢትዮጵያ ምሕጋዝ ከምዝደሊ ኣፍሊጡ።

ብልእልቲ እታ ሃገር ቤኔዲክቴ ኣስትሪድ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዑደት ብምግባር ምስ ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ዘተ ገይሩ።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ብዛዕባ ዘሎ ክልቲኣዊ ርክብ ዘቲየን።

እተን ሃገራት ቅድም ክብል ኩለ መዳይ ርክብ ብምጥንኻር ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ሓቢርካ ንምስራሕ ኢትዮጵያ ፅኑዕ ቅዋም ከምዘለዋ እቶም ኣፈ ጉባኤ ተዛሪቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ንኹሉ ዝሓቁፍ  ሃገራዊ ዘተ ብምክያድ ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ ጠመተ ተዋሂቡ የስራሕ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

Comments (0)
Add Comment