ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ዝተመረፁ ናይቲ ጁንታ ወተሃደራዊ ዓቕሚታት ከምዝወቅዕ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ክሳብ ሐዚ ንሰላም በሪ ብምኽፋት እንተተፀበየ እውን እቲ ጁንታ መጥቃዕቱ ከምዝቐፀለ ኣፍሊጡ።
ስለዝኾነ መንግስቲ ፌዴራል ብዘይምንም ቅድመ ምድላው ንምዝርራብ ዝገለፆ ምድላው ከምዘለዎ ኮይኑ፥ ነቲ ጁንታ ፀረ ሰላም ተግባር ፍልፍል ዝኾኑ ወተሃደራዊ ዓቕሚታት ዒላማ ዝገበረ ስጉምቲ ክወስድ ኢዩ ኢሉ።
ስለዝኾነ ኣብ ትግራይ እትነብሩ ወገናትና ብፍላይ ወታደራዊ ኣፅዋራት እቲ ጁንታን መሰልጠኒታትን ካብ ዘለውዎም ከባቢታት ንባዕልትኹን ንክተርሕቑ መንግስቲ ይምዕድ።