መንግስቲ ዝሃቦ ገደብ 72 ሰዓታት ብምጥቃም ብዙሓት ኣባላት ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻን ትግራይ ኢዶም ይህቡ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ዝሃቦ ገደብ 72 ሰዓታት ብምጥቃም ብዙሓት ኣባላት ፍሉይ ሓይሊን ሚሊሻን ትግራይ በቢግምባሩ ኢዶም እናሃቡ ከምዝርከቡ መፃረዪ ሓበሬታ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣፍሊጡ።

ብወገን ክልል ዓፋር ኣቲዮም ብዙሓት ሰባት ኢዶም እናሃቡ እንትኾኑ፥ ኣብ ማይ ፀብሪ ተቖሪፁ ተሪፉ ዝነበረ ሓይሊ ብሰላም ኢዱ እናሃበ ምዃኑ ተሓቢሩ።

እቲ መፃረዪ ሓበሬታ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን፥ ዝቐረበሎም ፃውዒት ሰሚዖም ኢዶም እናሃቡ ንዝርከቡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊን ምሊሻን ትግራይ ንህዝቦም ብምሕሳቦም መንግስቲ ምስጋና ምቕራቡ ገሊፁ።

“ኣብ ውሽጢ ፅዕንቶ እቲ ጁንታ ህወሓት ኮይንኩም ኢድኩም ክትህቡ ዘይከኣልኩም ኩሉኹም ኣብ ዘዘለኹምዎ ዕጥቅኹም ፈቲሕኹም መጥቀሚ እቲ ጁንታ ካብ ምዃን ተቖጢብኩም ሰራዊት ምክልኻል ክሳብ ዝበፅሐልኩም ንኽትፅበዩ ብጥብቂ ነተሓሳስብ” ክብል እቲ መፃረዪ ሓበሬታ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዘውፀኦ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment