መንግስቲ ዘላቒ ሰላም ብምንጋስ ንናህሪ ዕዳጋ መፍትሒ ንክህብ ነበርቲ ከተማ ኣሶሳ ሓቲቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ዘላቒ ሰላም ምስ ምንጋስ ጎድኒ ንጎድኒ ንናህሪ ዕዳጋ መፍትሒ ንክህብ ነበርቲ ከተማ ኣሶሳ ሓቲቶም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉምዝ ኣይተ አሻድሊ ሀሰንን ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ዶክተር ኣብርሃም በላይን ኣብ ውሳነታት ጉባኤ በልፅግና፣ ኣንፈታትን ቅዋምን ብምድሃብ ምስ ነበርቲ ከተማ ኣሶሳ ተዛቲዮም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተሳተፉ ነበርቲ፥ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ዝነበረ ሰርዓት ፖለቲካ “ኣጋር” ብዝብል ኣግላሊ ኣሰራርሓ ኣብ ፖለቲካ ይኹን ልምዓት እቲ ክልል በደል ከምዝበፅሐ ገሊፆም።

ሃገር ንምፍራስ ምስ ዝተበገሰ ህወሓት ዝተገበረ ኲናት ብዓወት እንተተዛዘመ እወን ሐዚ እውን ሰላም እቲ ሕብረተሰብ ዝዘርጉ ተለኣኣኽቲ ምህላዎም ሓቢሮም።

ናህሪ ዕዳጋ እወን ተወሳኺ ፈተና ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ተለኣኣኽቲ ህወሓት ዘየዳግም ስጉምቲ ብምውሳድ ዘላቒ ሰላም ምስ ምህናፅ ጎኒ ንጎኒ ናህሪ ዕዳጋ ፈተና ንዝኾኖም ኣብ ትሑት ናብራ ዘለዉ ክፋላት ሕብረተሰብ መፍትሒ ነክህብ ሓቲቶም።

ኣብ ትሕቲ እቲ ፓርቲ ብምዃነ ካሊእ ዕላማ ኣብ ልዕሊ ዘሰጉሙ ኣባላትን ኣመራርሓን ምውሳድ ዝተጀመረ ስጉምቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ አወን ተዛሪቦም።

ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን፥ ኢትዮጵያ ኣብ ክሊ ከይዲ ለውጢ ብምዃን ብዙሓት ዓወታት ከምዘመዝገበት ተዛሪቦም።

ንቐፃሊ እወን ብሓባር ብምዃን ዝበለፀ ዓወት ምምዝጋብ ከምዝከኣል ኣብሪሆም።

ዘላቒ ሰላም ናይ ምህናፅ ጉዳይ ቀዳማይ ኣጀንዳ መንግስቲ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ መንግስቲ እቲ ክልል ምስ መንግስቲ ፌዴራል ብምዃን ኣብ ቀፃሊ ዝተጠናኸረ ስራሕ ከምዝሰርሕ ኣረዲኦም።

ዶክተር ኣብርሃም ብግደኦም፥ ፓርቲ ብልፅግና ዘላቒ ሰላም ካብ ምህናፅ ጀሚሩ ንሕቶታት ሀዝቢ ምላሽ ንምሃብ ዘኽእል ኣንፈት ከምዘቐመጠ ተዛሪቦም።

ኣብ መፍትሒ እቶም ጉዳያት ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ትፅቢት ዝግበረሉ ተሳትፎ ንክገብር ትፅቢት ከምዝግበር ሓቢሮም።

ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኩላትና ማዕረ ኢና ዝበሉ እቶም  ሚኒስትር፥ ብምክፍፋል ኣገዛዝኣ ኣብ ዝኾነ ብርኪ ምብፃሕ ስለ ዘይከኣል ዝተቐመጡ ኣንፈታት ንምፍፃም ፓርቲ ብልፅግና ብፅንዓት ከምዝሰርሕ ገሊፆም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ሃረሪ ኣብ ዝተኻየደ ሀዝባዊ ዘተ፥ ህዝቢ እቲ ክልል ዘልዕሎም ሕቶታት ሰናይ ምምሕዳር፣ ምንጋስ ሰላምን ናህሪ ዕዳጋን ምላሽ ንምሃብ ብትኹረት ከምዝስራሕ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣርዲን በድሪ ገሊፆም።

ኣብቲ ክልል ዘለዉ ኣመራርሓታት ናይ ምፅራይን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዝረኣዩ ስርቆት ናይ ምውጋድን ስራሕቲ ብቑርፀኝነት ከምዝስራሕ እወን ሓቢሮም።

ኣብ ክልል ሲዳማ ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ መድረኽ ዝተረኸቡ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ብግደኦም፥ ምብዛሕ ፈተና ንጉዕዞ ብልፅግና ኣየዐንቅፎን ኢሎም።

ኣብቲ ክልል ዝለዓሉ ሕቶታት መሰረተ ልምዓት ንምምሓስ ብቑርፀኝነት ከምዝስራሕ ተዛሪቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment