መንግስቲ ክልል ደቡብ ኣብ ክልል ትግራይ ሓገዝ ንዝደልዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ብር 20 ሚሊየንን ክል ኣምቡላንሰን ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ክልል ደቡብ ኣብ ክልል ትግራይ ሓገዝ ንዝደልዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ብር 20 ሚሊየንን ክል ኣምቡላንሰን ሓገዝ ገይሩ።

ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ኣብ ዘካየዶ መበል 225 ስሩዕ ኣኼቡኡ ኢዩ ኣብ ክልል ትግራይ ሓገዝ ንዘድሊዮም ክፋላት ማሕበረሰብ ሓገዝ ንኽግበር ውሳነ ኣመሓላሊፉ ዘሎ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ክልል ትግራይ ብምኽንያት ዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ሓገዝ ንዘድሊዮም ክፋላት ሕብረተሰብ መሊስካ ንምጥያሽ ዘቕረቡዎ ፃውዒት ስዒቡ፤ እቲ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ሓገዝ ንኽግበር ውሳነ ኣመሓላሊፉ፡፡

መንግስቲን ህዝቢን ክልል ደቡብ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ኣብ ክልል ትግራይ ሓገዝ ንዝደልዩ ወገናት ብር 11 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዝግመት ዋጋ ዘለዎ ሓገዝ እኽሊ ብምግባር ወገናዊነቱ ምርኣዩ እቲ ሓበሬታ ኣዘኻኺሩ፡፡

መንግስቲ እቲ ክልል ኣብ ክልል ትግራይ ዝግበር መሊስካ ምጥያሽ ፃዕሪ ዝገብሮ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ካብ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ክልል ደቡብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment