መንግስቲ ክልል ዓፋር ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን ህወሓትን ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ኣብ ግብሪ ንምውዓል ቆራፅ ምዃኑ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ክልል ዓፋር ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን ህወሓትን ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ኣብ ግብሪ ንምውዓል ቆራፅ ምዃኑ ገሊፁ።

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ብዛዕባ ስምምዕ ሰላም ብዝምልከት ዝሃቦ መግለፂ ሙሉእ መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል፤

እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ደቡብ ኣፍሪካ ዝተገበረ ስምምዕ፥ ንሓባራዊ ረብሓ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዘኽብር ኣገባብ ንኢትዮጵያውያንን ንኹሎም ንሰላም ደው ዝብሉን ኣዝዩ ዘሐጉስ ኮይኑ እቲ ስምምዕ ብቐንዱ ኣብ ምዕቃብ ነባሪ ሰላም ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ዘተኮረ እዩ።

ንተፈፃምነት እዚ ስምምዕ ኩሉ ኢትዮጵያዊ እጃሙ ብምውፃእ ናብ ሰላም ንምምላስን ኣብ እዋን ኲናት ዝወረደ ማሕበራዊ፤ ስነ-ኣእምሮኣውን ንዋታውን ጉድኣት ንምፅጋን ብሓባር ክንሰርሕ ኢና።

እቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐፀለ ኲናት ህይወትን ሞራልን ንብረትን ምጥፋእ ኣስዒቡ እዩ።

ቅድሚ ሰላም ካልእ ኣማራፂ ስለዘየለ ኣብ ስምምዕ ዝተጠቐሱ ቀንዲ ነጥብታት ተግባራዊ ክኾኑን ሃገርና ናብ ርጉእ ኩነታት ንክትሰጋገር ኩሉ ኣካል ሓላፍነቱ ክዋፃእ ግድን ብምዃኑ ንተግባራውነቱ ክንፅዕር ይግባእ።

ናብ ዝቕፅል ብራኸ ንምብፃሕ ቀንዲ መማረፂና ንሓባራዊ ሃገር ብሓባር ምጉዓዝ ስለዝኾነ እቶም ብኲናት ዝተሃስዩ ክፋላት ሕብረተሰብና ካብ መጉዳእቲ ሓውዮም ናብቲ ቅድሚ ሐዚ ዝነበሮም ማሕበራዊ ምትእስሳር ክምለሱ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ክንሰርሕ ኢና።

እቲ ዝነበረ ጎንፂ ብፍላይ ኣብ ዞባ እቲ ኲናት ዝነበሩ ከባቢታት ብዙሕ ጉድኣት ዘጋጠሞም እንትኾን፡ እቲ ጉድኣት ናይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ስለዝኾነ ኩሎም ኢትዮጵያውያንን ኩሎም ፈተውቲ ኢትዮጵያን ኣብ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ንክረባረብ ፃውዒት ነቕርብ።

ከም ህዝቢ ዓፋር እቲ ኲናት ዘብፅሖ ጉድኣት ኣዝዩ ከቢድ እኳ እንተነበረ ኣብ ውሽጢ ኲናት እውን እንተኾነ ከም ህዝብን ከም መንግስትን ንሓው ህዝቢ ትግራይ ክብሪ ብምሃብ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክረክብ ካብ ምግባር ጀሚሩ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጥንኻር ዓብዪ ስራሕ ተሰሪሑ እዩ።

ነዚ ሰናይ ስራሕ ንምቕፃል ህዝብን መንግስትን ክልል ዓፋር ምስ ጎረባብቲ ህዝብታት ምትሕብባር ሰላምን ልምዓትን ንምጥንኻር ቖራፅ እዩ ።

ብሰንኪ እቲ ኲናት ከም ሃገር ኣብ ልዕሌና ዘብፅሖ ቁጠባዊ ዲፕሎማስያውን ካልእ ተዛማዲ ፀቕጥታት ብምእራም ኩላትና እጃምና ክንገብር ይግባእ።

ሃገርና ልኡላውነታ ብዘኽበረን ብዘሕለወን መልክዕ ምስ ካልእ ክፋል ዓለም ዘለዋ ርክብ ድማ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ንክበፅሕ ኣበርቲዕና ንክንሰርሕ ትፅቢት ይግበር።

 

ኣብ መወዳእታ ንሰላም ሃገርና ብዘይደልዩ ገለ ኣካላት ንመስርሕ ሰላም ንምዕንቃፍ ዝንዝሑ ናይ ሓሶት ወረታትን  ወረታት ፅልኢትን ዝመልኦ መደረታትን ንምክልኻል ንሓድነትን ሰላም ቐዳምነት ብምሃብ  ፃዕሪ ክንገብር ይግባእ!

Comments (0)
Add Comment