ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ጎንደር ብዘጋጠመ ጎንፂ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ህይወት፣ ኣካልን ንብረትን ብዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ።
እቲ ክልል ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ተኸባቢርካ ናይ ምንባር ተምሳሌት ኣብ ዝኾነት ከተማ ጎንደር ሃይማኖት ጉልባብ ብምግባር ጎንፂ ብምውላዕ ሓድነት ህዝቢ ንምስባር ፃዕሪ ተገይሩ ኢዩ።
ስርዓተ ቀብሪ ኣቦ ኩሉ ዝኾኑ ወላዲ ሸኽ ከማል ለጋስ ኣብ ዝፍፀመሉ ዝነበረ እዋን ንመቓብር ዝኸውን እምኒ “ክነልዕል ኢና ናይቲ መስጊድ ክልል ኢዩ፤ ኣይተልዕሉን ቀፅሪ ቤተ ክርስቲያን ኢዩ” ብዝብል ብውሱናት ሰባት ዝተፈለመ ጎንፂ ህይወት ሰብ ጠፊኡ፣ ኣብ ልዕሊ ኣካልን ንብረትን ጉድኣት በፂሑ ኢሉ።
ንብረት ዝተፈላለዩ ትካላት ናይ ምዕናው ምንቅስቓስ እወን ከምዝተስተውዓለ ገሊፁ።
ስለዝኾነ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ጎንደር ብዘጋጠመ ጎንፂ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ህይወት፣ ኣካልን ንብረትን ብዝበፅሐ ጉድኣት ዝተሰመዖ ሓዘን ብምግላፅ ምፅንዕናዕ ተመኒዩ።
ኣብ ለዕሊ ጥፍኣተኛታት ኣድላዪ ሕጋዊን ተመጣጣኒን ስጉምቲ ከምዝውሰድ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ተግባር ዝተሳተፉን እቲ ጎንፂ ዘበኣኣሱን ኣካላት ኣብ ቁፅፅር ንምውዓል ሓይሊታት ፅታ፣ ኣቦታት ሃይማኖት፣ን ፈታዊ ሰላም ዝኾኑ መናእሰይ ጎንደርን ብምውዳድ ውፅኢታዊ ስራሕ ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊፁ።
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።