ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቄለም ወለጋ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ንፁን ዜጋታት ብዝበፅሐ ጨፍጫፍ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ገሊፁ።
ሓላፊ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል ኣይተግዛቸው ሙሉነህ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ “ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ሎሚ እውን ሰላም ኣብ ልዕሊ ዝደልዩ ንፁሃን ህዝቢታትና ሞት ዘዝንብ ናይ ጥፍኣት መልኣኽ ኮይኑ ኢዩ” ኢሎም።
ኣብ ቄለም ወለጋ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ንፁሃን ዜጋታት ብዝበፅሐ ጭፍጨፋ ንመላእ ህዝቢ ምፅንዕናዕ ተመኒዮም።
ሎሚ ይኹን ፅባሕ ናይዚ ፀገም ብሕታዊ መፍትሒ ፀላኢ ህዝባዊ ሓድነትን ደመኛታት ብሓባር ሰሪሕኻ ናይ ምንባር ዝኾኑ ፀረ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውነትን ዝኾኑ ኩሎም ሓይሊታት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ብሓድነት ተቓሊስካ ምስዓር ጥራሕ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።
ከምዚ ዝበሉ መጥቃዕቲታት ብምፍፃም ኣብ መሪር ሓዘን ዘእትዉ ፀላእቲ ተቓሊስካ ንምስዓርን እቲ ጉዳይ ካብ መሰረቱ ንምእላሽን ድማ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ብሐደ ድምፂ ብምቅዋም ኣካል እቲ መፍትሒ ክኾኑ ይግባእ ምባሎም ካብ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሀበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com