መንግስቲ ካብ ወፃኢ ኣብ ዘእትዎ ዘይቲ ብልዒ መስተኻኸሊ ዋጋ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ካብ ወፃኢ ኣብ ዘእትዎ ዘይቲ ብልዒ መስተኻኸሊ ዋጋ ምግባሩ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዲኤታ ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣይተ እሸቴ ኣስፋው፥ እቲ ዘይቲ ብልዒ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበረሉ ዋጋ ኣብ ሓደ ሊትሮ ብር 4ን 30 ሳንቲምን ወሰኽ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ካብ ክልላት ተወኪሉ ዝመፅአ ዝኾነ ይኹን ኣምፃኢ ትካል፥ ንኣከፋፈልቲን ቸርቸርቲን በቲ ዝተፀርሐ ዋጋ ከረክብ ከምዘለዎ ኣብሪሆም።

ቸርቸርቲ ካብ ኣምፃእቲ ዝተረከቡዎ ፍርያት ዘይቲ ብተመሳሳሊ ብሊትሮ 4 ቅርሺን 30 ሳንቲምን ብምውሳኽ ንሕብረተሰብ ክሸጡ ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።

ካብዚ ዋጋ ወፃእ ዕድጊት እንትፍፅም ዝተረኸበ ዝኾነ ይኹን ክፋል ማሕበረሰብ ንግዲ፥ መንግስቲ ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣይተ እሸቴ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፥ ኩሉ ሕብረተሰብ ካብቲ ዝተፀርሐ ዋጋ ወፃኢ ዝሸጡ ነጋዶ እንተጋጥሙዎ ንዝምልከቶም ኣካላት ሓበሬታ ብመሃብ ንኽተሓባበር ፃውዒት ምቕራቦም ካብ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ዝረኸናዮ ሓበሬታ የረድእ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment