መንግስቲ ካብ ህዝቢ ዝተለዓሉ ኢኮኖሚያዊ ሕቶታት ንምምላስ ይሰርሕ ኣሎ – ዶክተር እዮብ ተካልኝ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሙላእ እዛ ሃገር ዝተኻየዱ ምይይጣት ካብ ህዝቢ ንዝተልዓሉ ኢኮኖሚያዊ ሕቶታት ደረጃ ብደረጃ ንምምላስ ይስራሕ ምህላዉ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስተር ዴኤታ ገንዘብ ዶክተር እዮብ ተካልኝ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየዱ ህዝባዊ ምይይጣት ምስ ኢኮኖሚ ብዝተተሓሓዘ ካብ ህዝቢ ሕቶታት ከምዝተልዓሉ ብምሕባር፤ “ህዝቢ ዘልዓሎም ሕቶታት በቢብርኩ ንምምላስ መንግስቲ ትኹረት ሂቡ ይሰርሕ ኣሎ” ኢሎም፡፡

“ምኽባር ናብራ፣ ፍትሓዊ ክፍፍል ሃፍቲ፣ ኣብ መሰረተ ልምዓት ማይን መብራህትን ዘለዉ ክፍተታትን ኣብ ኣወሃህባ ኣገልግሎትን ዘድሃቡ ሕቶታት ካብ ህዝቢ ተላዒሎም እዮም” ዝበሉ ዶክተር እዮብ፥ ብፍላይ ምስ ናህሪ ዋጋ ተተሓሒዙ ዝተልዓሉ ፀገማት ብቕልጡፍ ክፍትሑ ከምዘለዎም ፀሪሖም፡፡

ኣብ ዘይቲ ዝነበረ ሕፅረት ንምፍታሕ ብዘይተለመደ መልክዑ መንግስቲ ብቐጥታ ዕድጊት ክፍፀም ከምዝተገበረ እውን ገሊፆም፡፡

ብመሰረት እዚ 12 ነጥቢ 5 ሚሊዮን ሊትሮ ዘይቲ ናብ ውሽጢ ዓዲ ምእታዉን በቢወርሑ ናይ 50 ሚልየን ሊትሮ ዘይቲ ዕድጊት ንምፍፃም ተወሲኑ ይስራሕ ምህላዉን ኣፍሊጦም፡፡

እዚ ድማ ብዝተወሰነ መልክዑ ካብ ዕዳጋ ዝጠፍአ ምህርቲ ዘይቲ ናይ ምርግጋዕ ዕድል ከምዘለዎ ምዝራቦም ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment