መንግስቲ ኣብ ፈታኒ እዋን ብምዃን ተኸታታሊነት ዘለዎ ምዕባለ ኣመዝጊቡ ኢዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ) መንግስቲ ኣብ ፈታኒ እዋን ብምዃን ተኸታታሊነት ዘለዎ ምዕባለ ኣመዝጊቡ ኢዩ ክብሉ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ መኽፈቲ ስነ ስርዓት ክልቲአን ኣብያተምኽሪ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓቐበን ቁልቁልን እንሓለፍ ዘለና እኳ እንተኾንና ኣብ 2016 ዓ.ም 8 ነጥቢ 1 ሚኢታዊት ሓፈሻዊ ሃገራዊ ምዕባለ ኢኮኖሚ ክነመዝግብ ክኢልና ኢና ኢሎም።

ሃገር ቦቆል ሪፎርም ኢኮኖሚ ስግኣታትን ብድሆታትን ናብ ዕድል ብምልዋጥ ጭቡጥ ውፅኢት ይመፅእ ከምዘሎ ዘርእይ ኢዩ ከብሉ ገሊፆም።

ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ኣብ 2016 ዓ.ም 13 ነጥቢ 8 ሚኢታዊ ዐብየት ከምዘርኣየ ብምግላፅ፥ ብመሰረት እዚ 3 ነጥቢ 9 ቢሊየን ዶላር ኣሜሪካ ፍሰት ኢንቨስትመንት ከምዝተመዝገበረ ሓቢሮም።

ኢኮኖሚና ዕዳጋ ዝመርሖ እናኾነ ኣብ ዓለም ተወዳዳሪ ንክኸወን መሰረቱ ካብ ነፀላ ዓውዲ ምዕባለ ናብ በዙሃ ዓውዲ ኢኮኖሚ ይሸጋገር ኣሎ አውን ኢሎም።

ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 6 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ዕብየት ብምምዝጋብ ፍትሓዊ ተረባሕነት ህዝቢ ንክረጋገፅ መሰረት የንብር ከምዘሎ እውን ኣብሪሆም።

መንግስቲ ንሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮን ሀንፀት ሓምለዋይ ኢኮኖሚን ጠመተ ምሃቡ ብምግላፀ፥ ብሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓማውቲ 40 ቢሊየን ፈልስታት ንምትካል ተኻኢሉ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ 9 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ምዕባለ ምምዝጋቡ፣ ፍሪያት ዓውዲ ማኑፋክቸሪንግ 59 ሚኢታዊ ምዕባዩን ሓቢሮም።

ሃፍቲ ኩለን ባንኪታት 2 ነጥቢ 5 ትሪሊየን ብር ከምዝበፅሐ ብምግላፅ፥ ተረባሕቲ ሞባይል ባንኪንግ 39 ነጥቢ 6 ሚሊየን ከመዝበፅሐ ገሊፆም።

ሽፋን መገዲ 169 ሺሕን 600 ከምዝበፅሐ ገሊፆም።

ቁፅሪ ተረባሕቲ ንፁህ መስተ ማይ 74 ነጥቢ 8 ሚሊየን ከምዝበፅሐን ሓፈሻዊ ሀንፀት ግድብ ህዳሰ 96 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ከምዝተዛዘመን ተዛሪቦም።

ብየሻምበል ምህረት

Comments (0)
Add Comment