መንግስቲ ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ዝበፅሐ ጉድኣት ብዝምልከት ብቐረባ እናተኸታተሎ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)28 ለካቲት 2013 ዓ.ም ኣብ ርእሰ ከተማ የመን ሰንዓ ቤት ህንፀት ብዝተፈጠረ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብቲ ቤት ህንፀት ዝነበሩ እሱራት ሓደጋ ሞትን መቑሰልቲን ከምዝበፅሐ ኣብ ሙስካት (ኦማን) ዝርከብ ኤምባሲ ፌዴሪኢ ናብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ ኣፍሊጡ።

መበገሲ እቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ እንትኸውን፥ መበገሲ እቲ ቃፀሎ ምስ ተዋጋእቲ ሓይሊታት የመን ዝተተሓሓዘ ምዃኑ፣ ክንደይ ዘኣኽሉ ሰባት ከምዝተጎድኡን ክንደይ ዘኣኽሉ ኢትዮጵያውያን ከምዝኾኑን በቲ ኤምባሲ ኣቢሉ እናፃረየ ከምዝኾነን መንግስቲ ብዕቱብ እናተኻተተሎ ከምዝርከብን ሓበሬታ እንትርከብ ድማ ዕላዊ ከምዝግበር ተገሊፁ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ብምኽንያት ዘጋጠመ ሓደጋ ህይወቶም ዝሓለፉን ጉድኣት ኣካል ንዘጋጠሞምን ዜጋታት ልዑል ሓዘን ከምዝተሰመዖ ዝገለፀ እንትኸውን፥ እቲ ጉድኣት ዝኸፍአ ዝገበሮን ሙሉእ ሓበሬታ ንምርካብ ኣፀጋሚ ዝገበሮ ድማ ዜጋታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝገበሩዎ ጉዕዞ ስለዝኾነ ኢዩ ኢሉ።

ስለዝኾነ ድማ ዜጋታት ናብ ወፃኢ ሃገራት ብናፃን ብሕጋዊ መገዲን ናይ ምንቅስቓስ መሰሎም ብሕገ-መንግስቲ ዝተሓለወ ይኹን እምበር፥ ብሕጋዊን መገዲ ጥራሕ ካብ ሃገር ንምውፃእ እንተዝፍትኑ ተመሳሳሊ ሓደጋታትን ናይ ዜጋታት መሰል ንምኽባር ከምዝሕግዝ ኣገንዚቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment