ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ምውሳኑ ሃገራትን ዓለም ለኸ ትካላትን ኣፍልጦ እናሃበኦ ምዃነን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።
ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ኣብ ዝሃቡዎ ሳምንታዊ መግለፂ፥ ቅድሚ ሕዚ ሕቶ እናቕረቡ ዝነበሩ ኣካላት ነቲ ስጉምቲ ንኢዶምዎ ኢሎም።
ሕብረት ኣፍሪካ፣ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ኣሜሪካ፣ ቻይና፣ ስዊድንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ነቲ ስጉምቲ ኣፍልጦ ካብ ሞንጎ ዝሃባ ሃገራት ከምዝርከበኦ ገሊፆም፡፡
እቲ ስጉምቲ ኢድ ኣእታውነት ንምፍሻል ከምዝሕግዝ እውን ኣብሪሆም፡፡
እቶም ኣቐባሊ ቃል ኣብ መግለፂኦም፥ ብመንግስቲ ካብ ዝተውሃቡ ምኽንያታት ሓሊፉ ምስ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ተተሓሒዙ ኢትዮጵያ ቅድሚት ትህቦም ጉዳያት ስለዘለዉ እቲ ውሳነ ከምዝተመሓላለፈ ኣገንዚቦም፡፡
ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝርከቡ ዜጋታት ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ ተግባር ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ዝሓበሩ ኣምባሳደር ዲና፥ ክሳብ ሕዚ 9 ሺሕን 902 ዜጋታት ከምዝተመለሱ ኣብሪሆም።
ካብ ሞንጎ እዚኣቶም እተን 861 ደቂ ኣንስትዮ ከምኡ እውን 193 ህፃናት ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
ኣብ ዘፈር ፖለቲካል ዲፕሎማሲ ብዝምልከት ጦር መኽሪ ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ግዝኣት ኣቢዪ ዘለዎ ግደ ዝምልከት ልዝብ ከምተገበረ እቶም ኣምባሳደር ገሊፆም።
ኣብዚ ሰሙን ዝተኻየደ መበል 72 ኣኼባ ኢጋድ፥ ኣብ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ዝተኻየዱ መረፃታት ሰላማዊ ከምዝነበሩ ከምዝተገለፀ እውን ኣብ መግለፂም ኣልዒሎም።
ግብፂን ሱዳንን ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ናብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንዘእተወኦ ደብዳበ ኢትዮጵያ ግቡእ ምላሽ ከምዝሃበት ኣገንዚቦም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።